Find Posts By Topic

መደብ መጓዓዝያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) | ኣብ ምዕራፍ 2 ሓሳባትካ ምሳና ክተካፍለሎም ትኽእለሎም ተወሰኽቲ መንገድታት

ጽሟቕ

  • መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ኩሉ ሰብ ናብ ዝደልዮም ቦታታን ዘጋጥሙዎ ዕድላትን ንምብጻሕ ውሑስነቱ ዝተሓለወ፣ ስሉጥን፣ ብርትዓዊ ዋጋ ዝቐርብን ኣማራጺታት ግልጋሎት መጎዓዚያ ንኽረክብ ንምግባር ዘለና ተወፋይነት እዩ። ነዚ ትልሚ እዚ ኣብ ምድላው ሓገዝካ የድልየና።
  • ብሓባር ኮይንና፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ብኸመይ ከም እንዘዋወርን ኣብ ጐደናታትናን ህዝባዊ ቦታታትናን ከመይ ጌርና ከም እንዘናጋዕን ደጊምና ንሓስበሉ ኣሎና።
  • ነቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተሳትፎና ዘካፈልካና ሓሳባት ሰሚዕና መደብ ምድላው ድማ ጀሚርና ኣለና። ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ምህላውና ዝምልከት ዘለካ ሓሳብ ኣብ’ዚ ብምእታው ርእይቶታትካ ኣካፍለና፣ ማእኸል ናይ ኦንላይን ተሳትፎ
  • ምሳና ንመደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ኣብ ምድላው ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ተወሰኽቲ መንገድታት ወሲኽና ኣለና፡  
    • ራእይ፣ ሽቶታትን፣ ዕላማታትን መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ገምግም
    • እንታይ ዓይነት መጻኢ መጓዓዝያ ክትርኢ ከም እትደሊ ኣካፍለና
    • እንታይ ዓይነት ተግባራት ከም እትድግፍን ብኸመይ ኣካል ስርዓተ መጓዓዝያና ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ሓብረና።
  • ቤት ጽሕፈት ትልሚን ልምዓት ማሕበረሰብን (OPCD) እውን ንናይ ሲያትል ኩለመዳያዊ ትልሚ ሕደሳ- ትልሚ ሓደ ሲያትል ንምድላው ሓገዝካ ይሓትት ኣሎ። ነቲ ኣብ መጻኢ ሲያትል ዚርአ ዓብዪ ስእሊ ንምምራሕ ዝያዳ ንምፍላጥን ዘለካ ሓሳባት ንምክፋልን፡ ነቲ ናይ ቢሮ ምውጻእ ትልሚን ምዕባለን ማሕበረሰብ (OPCD) ዝኾነ መደብ ሓንቲ ሲያትል ናይ ተሳትፎ ማእከል (One Seattle Plan Engagement Hub) ርአ።  

ሐዚ ይኹን ኣብ መጻኢ ንኹሉ ሰብ ብዝበለፀ ዘገልግል ስርዓት መጓዓዝያ ክንሃንፅ ኢና።

እዚ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) ውሑስ፣ ስሉጥን፣ ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዎን መጓዓዝያ ንምህናጽ ዝኣተናዮ ቃል እዩ።  መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ድማ ኩላትና ኣብ መጻኢ ነታ ኸተማ ብኸመይ ክንዞራ ኸም እንደሊ ንኽንሓስቦ ዕድል ዝፈጥረልና እዩ።

ክሳብ ሐዚ ሓሳብካ ስለ ዘካፈልካና የቐንየልና። ርኢቶኻ ወሲድናን ትልሚ ምድላው ጀሚርናን ኢና።

ኣብ ምዕራፍ 1 በቲ ተዋሳኢ ካርታና ኣቢልካ ሓሳባትካ ኣካፊልካና ኔርካ። ሐዚ ድማ እዚኦም ናብ ተግባር ኣብ ምቕያር ክትሕግዘና ትኽእል ኢኻ።

ኣብ ምዕራፍ 1 ነዞም ዝስዕቡ ሓሳባት ሂብካና ኔርካ… ካብ ብምቕጻል ንሕና ድማ … ሐዚ፣ ድማ ኣብ ምዕራፍ 2 ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ንሓተካ ኣለና… 
ኣብ ጉዕዞታትካ ቀዳምነት እትህቦም ጉዳያትራእይ፣ ሽቶታትን፣ ዕላማታትን መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ኣማዕቢልና ብዛዕባ እዞም ራእይ፣ ሽቶታትን፣ ዕላማታትን ዘለካ ሓሳብ ኣካፍለና  
ንመጻኢ ኣብ ሲያትል ዘለካ ራእይ መጓዓዝያ ኣብ መጎዓዚያ ሲያትል ክህልዉ ዝኽእሉ ሰለስተ ናይ መጻኢ ዕድላት ተዘርዚሮምኣየናይ መጻኢ ክትሪኢ ከም እትደሊ ሓብረና  
ስርዓት መጓዓዝያና ብኸመይ ንኹሉ ሰብ ብዝሓሸ ግልጋሎት ክህብ ከምዝኽእል ሸቶታትና ንምዕዋት ዝሕግዙ ዝበልናዮም ክንወስዶም እንኽእሎም ስጉምትታት ማዕቢሎም ይርከቡ ንኣየኖት ተግባራት ከም እትድግፍን ብኸመይ ንቕድሚት ክንስጉም ከም እትደልየናን ሓብረና።

ንሰምዓካ ኣለና።


ተሳታፊ ንምዃንን ሓሳባትካ ንምክፋልን ን ትልሚ መጎዓዚያ ሲያትል ማእኸል ናይ ኦንላይን ተሳትፎ ተወከስ።

ነዞም ሕቶታት ዝሃብካዮም መልሲታት ንከይዲ ምምዕባል ትልሚ መጓዓዝያ ሲያትል ክንጥቀመሎም ኢና። ኣብ ከይዲ ምፍጣር መደብ መጓዓዝያ ሲያትል ብምስታፍ፣ ንዅሉ ብዝበለጸ ዚጠቅም ስርዓት መጓዓዝያ ኣብ ምህናጽ ክትሕግዘና ኢኻ!



ቤት ጽሕፈት ትልሚን ልምዓት ማሕበረሰብ (OPCD) እውን ኣብቲ ናይ ሲያትል ኩለመዳያዊ ትልሚ ሕደሳ– ትልሚ ሓንቲ ሲያትል ዘለካ ርኢቶ ክተካፍል ይሓትት ኣሎ።

ትልሚ ሓንቲ ሲያትል፣ ሲያትል ብኸመይ ዝያዳ ማዕርነት ዝዓሰላ፡ ብተመጣጣኒ ዋጋ ግልጋሎታት ዝቐርበላን፣ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ተጻዋሪትን ክትከውን ከም እትኽእል ዝሕብሩ ሓደሽቲ ሓሳባት ክድህስስ እዩ። ገለ ካብ’ቶም OPCD ዘናድዮም ዘሎ ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ ይርከቡዎም፥ 

  • ሓደስቲ ናይ ከተማ ማእከላት ወይ ዓድታት – ንብዙሓት ሰባት ወይ ስድራቤታት ዝኾኑ ድኳናትን ዝያዳ መንበሪ ኣባይትን (ከም ኣፓርታማታት ወይ ናይ ከተማ ገዛውቲን) ዝርከቡዎም ኣብ ከም’ቶም ኣብ ዙርያ ናይ መጻኢ ጣብያታት ቀሊል ባቡር ዘለዉ ቦታታት ምፍጣር  
  • ኣብ መላእ እታ ኸተማ ዝርከቡ ንነበርቲ ብናይ እግሪ ጉዕዞ ርሕቀት ተወሰኽቲ ናይ ዕዳጋ ቦታታት፣ ኣገልግሎታት፣ ከምኡውን ትራንዚታትን ዝርከቡሉ ዝያዳ ምሉኣት ዝኾኑ ከባቢታት መንበሪ ምድጋፍ 
  • ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት መንበሪ ኣባይቲ ምስ ዝለዓለ ተበጻሕነት ናብ መናፈሻታትን ኣብያተ ትምህርትን ዘፍቅዱን ዝያዳ ርትዓዊ ዝኾነ ስድራቤታዊ ስፍሓት ዘለዎም ገዛውትን ዕድላት ዋንነት ገዛን ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ንኽህልዉ ዝገብሩ ስትራተጂታት ምድጋፍ  
  • ብሰንኪ ምምዝባል ዝመጽእ ጸቕጢ ዘጋጥሞም ማሕበረሰባት ዝድግፉ ሓደስቲ መሳርሒታት ምምዕባልን ተበጻሕነት ኣባይትን ስራሕን ዓሌታውን ቁጠባውን ሓቛፍነት ከምዝህልዎ ምርግጋጽን 
  • ነቲ ኣብ መጻኢ ሲያትል ዚርአ ዓብዪ ስእሊ ንምምራሕ ዝያዳ ንምፍላጥን ዘለካ ሓሳባት ንምክፋልን፡ ነቲ ናይ ቢሮ ምውጻእ ትልሚን ምዕባለን ማሕበረሰብ (OPCD) ዝኾነ መደብ ሓንቲ ሲያትል ናይ ተሳትፎ ማእከል (One Seattle Plan Engagement Hub) ርአ። 

ብዛዕባ መደብ መጉዓዝያ ሲያትል ዝያዳ ተምሃር ሓሳባትካ ድማ በቲ እትመርጾ ቛንቋ ኣካፍል፡