Find Posts By Topic

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (SEATTLE TRANSPORTATION PLAN) | እቶም ናይ ማሕበረሰብ መሻርኽትናን ምጅማር ህዝባዊ ተሳትፎን ዕላው ምግባር

ንሕና ክፍሊ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Department of Transportation) (SDOT) ኣብ ከይዲ ምምዕባል መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ማሕበረሰባት ክነሳትፍ ንጅምር ኣለና።

“ሓንቲ ሲያትል ክበሃል እንከሎ መጻኢ እዛ ከተማ ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ኩሉ ሕብረተሰብ ድምጺ ክህልዎ ምርግጋጽ ማለት እዩ- ከምኡድማ ኣብ ዙርያኣ ብኸመይ ከም እንቀሳቐስን። መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) ክብሪታትን ድልየታትን ኩሉ ሰብ ከም ዘማልእ ኣብ ምግባር ድምጺ ኩሉ ሰብ ንምስማዕ ምስ’ቶም ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ጌሮም ዝሰርሑን ምስ እቲ ግልጋሎት ዘቕርቡሉ ማሕበረሰብ ርክብ ዘለዎምን ትካላት ብሓባር ኣብ ምስራሕ ንርከብ። ብሓባር ኮይንና፣ ውሕስነት፣ ማዕርነት፣ ተበጻሕነትን፣ ዕድላትን ማእኸል ብምግባር ነዚ ናይ መጎዓዚያ መርበብናን ማእከልን ከም ብሓድሽ ከንመዓራርዮ እንኽእለሉ ዕድልና እዚ እዩ። ከተማ ሲያትል ንስኻ ናብ ስራሕ ብከመይ ከምእትኸይድ፣ ነቶም እትፈትዎም ሰባት ንምርኣይ እትጎዓዘሉ፣ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ እንከለኻ፣ ወይ ስሉጥ ብዝኾነ መገዲ ትራንዚታትን ሸቐጣትን ነንቀሳቕሰሉ መገዲ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብኸመይ ዝበለ መልክዑ ግዜና ከም እነሕልፎን፣ ካልኦት ብዙሓት ነገራትን ከም ብሓድሽ ኣብ እነመዓረርየሉ ስራሕ ተሳታፊ ክትከውን ይዕድመካ።” – Mayor Bruce Harrell

እቲ መደብ ንመጻኢ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታታትናን ዝምልከት ዝተሓደሰ ራእይ ዝፈጥር እዩ። ብሓባር ኮይንና፣ ኣብ ጎደናታት ሲያትል ብኸመይ ዝበለ መልክዑ ከም እንንቀሳቐስን እንሕጎሰሎምን መገዲን መሊስና ከም ብሓድሽ ከነመዓራርዮ ኢና። 

እቲ መደብ ኩላትና ከመጠን ከተማ- ዓሌታዊ ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘረጋግጽ፣ ናይ ኩሉ ሰብ ድልየታት ዘማልእን ናብ’ቶም ኣዚና እንደልዮም ቦታታት ውሕስነትና ብዝተሓለወን ስሉጥን ብዝኾነ መልክዑ ከራኽበና ዝኽእል ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ንምህናጽ ዘለና ናይ ሓባር ስምምዕ እውን እዩ። 

እዚ መደብ ክብሪታትን ድልየታትን ኩሉ ሰብ ከምዘማልእ ኣብ ምግባር ድምጺ ኩሉ ሰብ ንምስማዕን ንምርግጋጽን ምስ እቲ ግልጋሎት ዘቕርቡሉ ማሕበረሰብ ርክብ ምስ ዘለዎም ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ጌሮም ምስ ዝሰርሑ ትካላት ብሓባር ኣብ ምስራሕ ንርከብ። ምስ እዞም ኣዝዮም ዘደንቑ ትካላት ሓቢርና እንሰርሕ ከምዘለና ዕላው ክንገብር እንከለና ዓብዪ ሓጎስ ይስመዓና።


ኤሽያን ፓሲፊክ ኣሜርካን ሕብረት ሰራሕተኛታት (Asian Pacific American Labor Alliance):

 “ኤሽያን ፓሲፊክ ኣሜርካን ሕብረት ሰራሕተኛታት (Asian Pacific American Labor Alliance) (APALA)AFL-CIO ሲያትል ቻፕተር (Seattle Chapter) ምስ ክፍሊ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle’s Department of Transportation) ብሽርክና ክስርሕ ብምኽኣሉ ዓብዪ ሓጎስ ይስመዖ። ንነበርቲ ከተማ ሲያትል ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ናይ ሰራሕተኛ መደብ እውን ኣሳታፊ ዝገብር ናይ መደብ ምውጻእ ከይዲ ክህልወና ዝብል ሕልሚ ኣለና። መብዛሕቲኦም ኣብ ከተማ ዝሰርሑ ሰባት ካብ ዝነብርሉ ቦታ ርሒቖም ዝሰርሑ ብምዃኖም ኣብ ህዝባዊ መጎዓዚያ ዝምርኮዙ እዮም። ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ናይ መነባብሮ ዋጋ ቁጽሪ እቶም ካብ እታ ከተማ ወጻኢ ክኾኑ ዝግበሩ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ኣብ ምውሳኽ ይርከብ።  ናይቶም ሰብ ሕብሪ ዝኾኑ ሰራሕተኛታትን እቶም ከተማ ሲያትል ኣብ እትምዕብለሉ ግዜ ናብ ካሊእ ቦታ ክኸዱ ዝተገበሩ ማሕበረሰባትን ድምጾም ክስማዕ ምእንታን ምስ ማሕበረሰባትን ናይ ሰራሕተኛ መሻርኽቲን ኮይንና ብሓባር ክንሰርሕ ኢና። እምነት ዝንበረሉን ብርትዓዊ ዋጋ ዝቐርብን ናይ ህዝባዊ መጎዓዚያ ንምርካብ ዘሎ ድልየት ማሕበረሰብና ናብ መነባብሮኦም ኣብ ዝደለዩዎ ሰዓት ክኸዱ ዘኽእሎም መገዲ ክህሉ ኣብ ምግባር ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም።” –እዩኒስ ሃው, ፕሬዚደንት APALA Seattle Chapter


ምትሕብባር ማእኸላዊ ቦታ (Central Area Collaborative)

እቲ ናይ ማእከላይ ዞባ ምትሕብባር ስትራተጅያዊ ኣረኣእያ ማሕበረሰባት ሕብሪ ዘለዎም ሰባት ዕሽሽ ከም ዘይበሃሉ ወይ ኣቕሊሎም ከም ዘይርእይዎ ዝገብር ናይ ኢኮ ዲስትሪክት (EcoDistrict) ስርዓት ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ኣድላዪ ሓለዋ ኣየር ንብረት ኣብ ዝብል ዓብዪ ቴማ፣ ኣብ ናይ መጎዓዚያ ሸነኽ ዘለና ሓባራዊ ድምጺን ድልየታት ማሕበረሰባትን ንምዕባይ ብዝብል ኣብ ፕሮጀክት እዚ ክንሰርሕ መሪጽና ኣለና። ከም ማሕበረሰብ፣ ተጣባቒን ናይ ኤኮ ዲስትሪክት (EcoDistrict) ኣገደስቲ ሰብሞያ፣ ነቶም ናይ ምምሕዳር ፖሊሲታት፣ ልምድታትን ዝርርብን ንምሕጋዝ ትጽቢት ንገብር ምኽኒያት እዚ ድማ እቶም BIPOC ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብና መብዛሕቲኡ ግዜ ዝርስዑ ብምዃኖም እዩ። እዚ ኣብ ጠረጴዛ ብማዕርነት ምቕማጥን ክብሪ ብዘለዎ መልክዑ ተሰማዕነት ምርካብን ዘኽእል ብሉጽ ዕድል እዩ።“-ዴኒስ ኮመር፣ ኤክዝክዩቲቭ ዳይሬክተር፣ ምትሕብባር ማእኸላይ ቦታ (Central Area Collaborative


ዱዋምሽ ቫለይ ሳስተይነቢሊቲ ኣሶሴሽን (Duwamish Valley Sustainability Association) (DVSA):

DVSA፣ “ናይ ትካልና ዋና ጠመተ ኣብ’ቶም መናእሰያትና እዩ፣ ከምኡድማ ንሳቶም ናይ ፕሮጀክትታትና ከዋኽብቲ እዮም።” ብምባል ይገልጽ።  ስእሊ፡ DVSA.

ኣብቶም ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ መገዲታት ኣድሂቡ ነቶም መናእሰያትና ስልጠና ብምሃብ፣ Duwamish Valley Sustainability Association (DVSA) ዓቕሚ ክሃንጽን ነዚ ይመድብ መጎዓዚያ ሲያትል ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ናይ ዳዋሚሽ ቫሊ ማሕበረሰብ ድምጺ ክብ ንምባል ክሰርሕ እዩ። ምስ ማሕበረሰብና ብሓንሳብ፣ ነቶም ኣብ ሐዚ እዋን ዝገጥሙና ዘለዉ ጸገማት ዝኾኑ መፍትሒታት ብምቕማጥ ኣብ ኣገዳሲ ዝኾነ መደብ ዝህልዉዎ ናይ ማሕበረሰብና ቀጻልነት ዘለዎ ምዕባለ ኣብ ምምጻእ ዝሕግዙ ምኽሪታት እውን ከቕርብ እዩ።“-Duwamish Valley Sustainability Association


ማሕበረሰብ ከመር ሲያትል ኪንግ ካውንቲ (Khmer Community of Seattle King County):

ከመር ማሕበረሰብ ናይ ሲያትል ኪንግ ካውንቲ (KCSKC) ንኣረኣእያ ማሕበረሰብና ከመር/ካምቦድያ ንኣባላት ማሕበረሰብና ብኣኽብሮትን ምሳታቶም ብዚሰማማዕን ብዜበልጽግን መገዲ ናብ መደብ መጓዓዝያ ሲያትል ኬምጽኦ ኣጋጣሚ ብምርካቡ የማስወሉ እዩ። ናይ ክመር ባህሊ ማእኸል ዝገብር፣ ምሕዝነት ኣብ ምህናጽ ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሕን፣ ኣብ ድሕንነት መናእሰይን ዓበይቲ ሰባት ክመር ዝሰርሕ ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ፈተነ ንምክያድ ትጽቢት ንገብር። ናብ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ መደብ ኣወጻጽኣና ናይ ስቪካዊ ተሳትፎ ናብቲ ህሉው መደብ ምውሳኽና ኣብ ሰፊሕ ዝኾነ ናይ ከመር ማሕበረሰብ ዘለና ዓቕሚን ጽልዋን እውን ከነዛይዶ ይሕግዘና እዩ።“-ማሕበረሰብ ከመር ሲያትል ኪንግ ካውንቲ (KCSKC)


ውርሻ ናይ ማዕርነት ኣመራርሓን ትካላውነትን: (Legacy of Equality Leadership and Organizing) (LELO)  

ኣብ ፕሮጀክት እዚ ተሳታፊ ብምዃን ነቲ በዛ ከተማ ዝግበር ጻዕሪታት እጃምና ከነበርክት ማለት ናይቶም ብታሪኽ ኣብ ውሳነታትን ዝካየዱ መስርሓትን እታ ከተማ ዝተረስዑ ማሕበረሰባት ድምጺ ክስማዕ ንምግባር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክህልወና ትጽቢት ንገብር።  መጎዓዚያ ነቶም ኣባላት ሰራሕተኛታት ዝኾኑ ሰባት፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፣ ኣንሽቲ፣ ስደተኛታትን ዝተማዛበሉን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።  ዘለዎም ስክፍታትን ዝህቡዎም ርኢቶታትን ቦታ ክወሃቦም ዝግበኦም እዮም፣ ካብ ብተወሳኺ ኣብ ቀጻሊ ምዕባለ መጎዓዚያ ከተማና ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም።  ነዚ ዕድል እዚ ብምርካብና የቐንየልና።ሲንዲይ ዶሚንጎ፣LELO


ስማሽ ቦክስ (Smash the Box):

ስማሽ ቦክስ (Smash the Box) ብዙሓት ሞያታት ዝሓቁፍ ብማሕበረሰብ ዝግናሕ ናይ ከተማ መደብ ምውጻእን ንድፊን ዘካይድ ትካል ኮይኑ ካብ ሲያትል፣ ዋሽንግተን ወጻኢ ዝመደብሩ እዩ። ጠመተና ኣብ ማዕርነትን ጥዕናን እዩ።


ቢካም (We Become) ፖተንሺያል (Sea Potential)

 “ ቢካምን ሲፖተንሺያልን (We Become and Sea Potential) ብሓባር ብምዃን ናይ ደቡባዊ ሲያትል መናእሰይ ኣብ መጻኢ እዚ ክልል ኣበርክቶ ክህልዎምን ዘለዎም ራእይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣገላልጻ ብመገዲ ስነጥበብን ቨርቹዋል ሓቂን ኣቢሎም ምህዞኣዊ ብዝኾነ መልክዑ ዘኽእሎም ዕድል ኣብ ምፍጣር ይርከቡ። ኣብ ውሽጢ እዛ ከተማ ተንቃሳቓሲነትን ዘሎ ክእለት ምንቅስቓስን ናብ ስራሕ ቦታታት ንምኻድን ናብ ሓምለዎት ቦታታት ንምብጻሕ፣ ምስ ማሕበረሰብ ንምርኻብን፣ ንሓፈሻዊ ጥዕናን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። መናእሰያት በቲ ኣብ ሐዚ እዋን ኣብ ስራሕ ዘሎ ፖሊሲ ዝተሃነጸ መጻኢ ኣብ ምውራስ ይርከቡ፣ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከይዲ ምውጻእ መደብ ድምጾም ጎሊሑ ክስማዕ ዝግብኦ እዩ። ኣብ ኣብ ለውጢ ዘሎ ኩነታት ኣየር ንብረትን ኣቀማምጣ ከተማን ከመይ ዝበሉ ማዕረነትን ፍትሕን ዘረጋግጽ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት ክሃንጹ ዝኽእሉ ሓሳባትን ዕድላትን ከም ዝቐርቡ ንምርኣይ ትጽቢተይ ዓብዪ እዩ።” –Emily Wright, Founder, We Become; Partnering with Ebony Welborn and Savannah Smith, Co-Founders, Sea Potential


ቤተመጻሕፍቲ ኢስቴሊታ (Estelita’s Library)

ቤተመጻሕፍቲ ኢስቴሊታ ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ማሕበረሰብ ቤተመጻሕፍቲን ናይ መጻሕፍቲ መደብርን ኮይኑ ነቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ካብ ብዙሓት ዕድላት ዝተኣልዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ንምሕያል፣ ንምድሓንን ንምግልጋልን ዕላማ ዝውዕሉ መጻሕፍቲ፣ ስነጥበባዊ ስራሕቲ፣ ባህሊን ዘቕርብ እዩ። ዘለናሉ ማሕበረሰብ ኣብ ናይ ሓባር መጻኢና ዘለዎ ርኢቶ ዝገልጸሉ መገዲ ብምዃንና ሓጎስ ይስመዓና። ንትምህርቲን ስጉምቲን ቦታ/ዕድል ንምሃብ ከምኡድማ ናይ ማሕበረሰብ ፍልጠት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ብምኽኣልና ሓጎስ ይስመዓና። ሽቶና ቀጻሊ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ምምሃርን ትምህርቲን ከም ሓደ መሳርሒ ክኸውን ዝገብር መስርሕ ብምምዕባልን ምድጋፍን እቲ ማሕበረሰብ ተሳታፊ ንክኸውን ምግባር እዩ። ጠመተና እዚ ብምግባር፣ ናይ ማሕበረሰብ ድምጺታትን እታዎታትን ኣብ ደረጃ ተሳትፎ ዘብቅዑ ኣይክኾኑን እኳ ደኣስ ናይ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ኣብ ቀጻሊ ከም ማእኸል ቀጻልነት ዘለዎ ናይ ምዕባለን መደብ ምውጻእን መገዲ ክኸውን ይኽእል እዩ።” – Estelita’s Library


ነዚ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ብሓባር ኣብ እነማዕብለሉ ግዜ፣ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ክንገብር ኢና፡

ነዚ ናይ መጎዓዚያ ራእይና ብሓባር ኣብ ምህናጽ ዝህልወኩም ርኢቶ ምስማዕ።

ስርዓት መጎዓዚያ ናይ ሲያትል (Seattle’s transportation system) ክበሃል እንከሎ ንጎደናታት፣ ናይ ኣጋር መገዲታት፣ ድልድላት፣ ደረጃታት፣ ኣውቶቡሳት፣ መገዲታትን ኣብ ገረብ ዝርከቡ ናይ ኣጋር መገዲታትን፣ ናይ ጎደና መኻይን፣ ባቡራት፣ ጀልባታት፣ ናይ ብሽኽለታ መገዲታት፣ ናይ ኣጋር መሰጋገሪ ቦታ፣ ህዝባዊ ቦታታትን ከም ናይ ጎደና ካፌን ናይ ሰባት መቐመጢ ኣግዳሚ ወናብርን፣ ዝኣምሰሉ ካልኦትን ዝሓቁፍ እዩ። ብሓባር ኮይንና፣ ነዚ ዝስዕብ ሕቶ ንመልስ፡ እዚ ስርዓት እዚ ብኸመይ ዝበለ መገዲ እዩ ድልየታትካ ብዝበለጸ ከማልእ ዝኽእል?

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ነቲ ካብኻ ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ጉዳያት ዘንጸባርቕ ናይ መጻኢ ስርዓት መጎዓዚያ ሲያትል ራእይ ክኸውን እዩ። መጻኢ ስርዓት መጎዓዚያና ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ምስ እቶም ኣብ ታሪኽ ኣብ ከይዲ መደብ ምውጻእ መደብ ቦታ/ርኢቶ ዘይነበሮም ሰባት ቀሪብና ብምድማጽ ምሳኦም ዘለና ርክብ ክንሃንጽ ኢና። እዚ ነቶም ብቐጻሊ ዘይማዕርነታዊ ኩነታት መጎዓዚያ ዘጋጥሞም ዘሎ ሰባት ዝሓቁፍ እዩ – እዚኦም ድማ ከም ጸለምቲ፣ ደቀባት፣ ኣባላት ናይ ሕብሪ ማሕበረሰብ ዝኾኑ ሰባት፣ ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት፣ ናይ ስደተኛታት ማሕበረሰባትን እቶም ኣብ ገዛኦም ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘይዛረቡ ሰባት፣ መናእሰይ፣ ዓበይቲ ሰባትን እቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ዝሓቁፍ እዩ።

ፈለማ ንሰባት ዝኸውን መደብ ምውጻእ፣ ኣዚ ምስ እቶም ኣዝዮም ዘገድሱኻ ቦታታት ኣብ ሲያትል ንምርኻብ ዝዓለመ እዩ። እዚ ነቶም ናብ ስራሕ ቦታኻ ወይ ቤት ትምህርትኻ፣ ናብ ኣብ ከባቢኻ ዝርከብ ናይ ሸቐጥ መደብር ወይ ናብ ማእኸል ማሕበረሰብ፣ ወይ ናብቶም እቶም ትፈትዎም ሰባት ዝእከቡሎም ቦታታት ወይ ኣባይቲ እትገብሮም ጉዕዞታት ዝሓቁፍ እዩ

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ነዚ ስርዓት መጎዓዚያና ኣብ መነባብሮና፣ ምንቅስቓስና፣ ርክብናን ዕብየትናን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ክህብ እዩ። መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ስሉጥ፣ ውሑስ፣ ንደቂ ሰባት ማእኸል ዝገበረ ናይ መጎዓዚያ ስርዓት- ፍሰሃ፣ ናይ እእምሮ ሰላምን ዘምጽኣልካ ስርዓት፣ ከምኡድማ ናብ’ቶም ንገዛእ ርእስኻ ኣዝዮም ዘገድሱኻ ቦታታት ንምኻድ ዘኽእሉኻ ምርጫታት ዘቕርበልካ ንምህናጽ ክመርሐና እዩ።

ኣብቶም ዘለዉና ጽኑዓት ክብሪታት መሰረት ዝገበረ፣ ንዘጋጥሙ ብድሆታት ብምግጥም ሓባራዊ ራእይ ኣብ ምፍጣር ሓቛፊ ዝኾነ ተሳትፎ ክህሉ ንሰርሕ።

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል መሰረት ዝገብር ኣብ ክፍሊ መጎዓዚያ ሲያትል ራእይ፣ ተልእኾ፣ ክብሪታትን፣ ሽቶታትን – መሰረት ናይ እቲ ከይዲ መደብ ምውጻእ –ከምኡድማምህናጽ ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ናይ ሲያትል መደባትን ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ መደብን ምምሕያሽን (Comprehensive Plan Update)። ምስ’ዚ ጎኒ ንጎኒ፣ እቲ መደብ ነቶም ህጹጽ ናይ ኣየር ንብረት ለወጢ፣ ማዕርነት፣ ናይ ውሕስነት ድልየታት፣ ፍታሕ ብምሃብ ነቶም ኣዝዮም ከበድቲ ዝበሃሉ ዘጋጠሙና ብድሆታት ተሪር መፍትሒ ብምሃብ ናይ ሓባር ራእይ ኣብ ምፍጣር ዘሎ ናይ ማሕበረሰብና ዓብዪ ድልየት ዘንጸባርቕ እዩ ክኸውን።

ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ተጸንበረና፡