Find Posts By Topic

መደብ መጓዓዝያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) | ብዛዕባ ድልየታትካን ቀዳምነታትካን ክንሰምዕ ንደሊ ኢና። ነዚ ሓድሽ ዳህሳሳዊ መጽናዕትና ውሰድ፡ ኣብ’ቲ ዝስዕብ ፍጻመ ተሳተፍ፡ ከምኡድማ ዝረኣኻዮም ለውጢ ክግበረሎም ዘለዎ ቦታታት ሓብረና።


ጽሟቕ

  • ምሳና ሕበር! ብሓባር ኮይንና፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ብኸመይ ከም እንዘዋወርን ኣብ ጐደናታትናን ህዝባዊ ቦታታትናን ከመይ ጌርና ከም እንዘናጋዕን ደጊምና ንሓስበሉ ኣሎና።
  • ኣብ ናይ ቀዳማይ ዙርያ ምብጻሕ ናብ’ቲ ማሕበረሰብ ኢና ዘለና። ብዛዕባ እቲ ንመጓዓዝያ ዜድልየካ ነገራትን ቀዳምነታትን ብኽብረትካ ንገረና!
  • ኣብ ምምዕባል መደብ መጓዓዝያ ሲያትል ብብዙሕ መገድታት ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ ምእንቲ ኽትሳተፍ ነቲ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ናይ ኦንላይን ናይ ተሳትፎ ሃብ/ማእኸል ርአ ኢኻ።
  • ቢሮ ምውጻእ ትልሚን ምዕባለን ማሕበረሰብ (Office of Community Planning and Development) (OPCD) ንሓፈሻዊ መደብ ሲያትል እዋናዊ ንምግባር ሓገዝ ካባኻ ይሓትት ኣሎ። እዚ መደብ ሓንቲ ሲያትል (One Seattle Plan) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ምሳና ሕበር! ብሓባር ኮይንና፡ ነታ ኸተማ ብኸመይ ከም እንዞራን፡ ጐደናታትናን ህዝባዊ ቦታታትናን ብኸመይ ከም እነስተማቕሮምን መደብ ነውጽእ ኣሎና።

እዚ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) ውሑስ፣ ስሉጥን፣ መጠነኛ ዋጋ ዘለዎን መጓዓዝያ ንምህናጽ ዝኣተናዮ ቃል እዩ።  መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ኸኣ ኣብ መጻኢ ነታ ኸተማ ብኸመይ ክንዞራ ኸም እንደሊ ንኽንሓስቦ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና።

መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ነቲ ኣብ’ቲ ኸባቢ ዚግበር ወፍሪ መጓዓዝያ ኣብ ዚቕጽል 20 ዓመታት ኪመርሖ እዩ፡ ስለ’ዚ ካባኻትኩም ክንሰምዕ ንደሊ ኢና።

ነዚ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) ኣብ ምምዕባል ብብዙሕ መገድታት ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ!

ኣብ’ቲ ማሕበረሰብ ኣብ እንገብሮ ምብጻሕ፡ ቀዳማይ ዙርያ ጕዕዞ ጀሚርና ኣለና። ብዛዕባ ናይ መጓዓዝያ ድልየታትካን ቀዳምነታትካን ብኽብረትካ ንገረና።

ነቲ ሓድሽ ዳህሳሳዊ መጽናዕትና ወሲድካ፡ ኣብ’ቲ ዝስዕብ ፍጻመ መጺእካ፡ ለውጢ ክግበረሉ ዘለዎ ቦታታት ሓብረና።

ኣብ’ዚ እዋን እዚ ምእንቲ ኽትሳተፍ ነቲ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ናይ ኦንላይን ናይ ተሳትፎ ሃብ/ማእኸል ርአ ኢኻ።

ብሓባር ኴንና፣ ንኹሉ ብዝሓሸ መልክዑ ግልጋሎት ዝህብ ስርዓት መጎዓዚያ ክንሃንጽ ኢና።

ካብ ሕጂ ክሳብ ክረምቲ 2022፣ ምሳኻን ምስ ማሕበረ ኮም ዝሰረቶም መሻርኽቲ ትካላትን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና። ናይ መጐዓዝያ ድልየታትካን ቀዳምነታትካን ኽንርድኦ ተስፋ ንገብር።

ክንፈልጦ እንደልዮ ጉዳይ፦

  • ብዛዕባ መጻኢ መጎዓዚያ ኣብ ሲያትል ክትሓስብ እንከለኻ፣ እንታይ ክትርኢ ተስፋ ትገብር? እንታይ እዩ ዘገድሰካ?
  • ኣብ ሲያትል ክትዘውር ከለኻ፣ እንታይ ብድሆታት እዮም ዜጋጥሙኻ? እሞ ደኣ ብቐሊሉ ከም እትዛወር ዝገብረካ እንታይ እዩ?

ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ነቲ ናይ መደብ መጉዓዝያ ሲያትል ናይ ኦንላይን ተሳትፎ ሃብ/ማእኸል Seattle Transportation Plan Online Engagement Hub ርአ።

መልስታትካ መሰረት መደብ መጓዓዝያ ሲያትል ንምህናጽ ኪሕግዝ እዩ። ኣብ ቀውዒ 2022፡ ዝሰማዕናዮን ዝያዳ ሕቶታትን ሒዝና ክንምለስ ኢና። ኣብ ጽድያ 2023፡ ነቲ ንድፊ ናይቲ መደብ ኸነካፍለካ ኢና።

ከምኡ’ውን ቢሮ ምውጻእ ትልሚን ምዕባለን ማሕበረሰብ (OPCD) ኣብ እዋናዊ ሓፈሻዊ መደብ ሲያትል (Seattle Comprehensive Plan Update) ዘለካ ርኢቶ ይሓትት ኣሎ። እዚ መደብ ሓንቲ ሲያትል (One Seattle Plan) ተባሂሉ ይጽዋዕ።

መደብ ሓንቲ ሲያትል One Seattle Planኣብዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ውሳነታት ከም መምርሒ ኮይኑ ከገልግል እዩ፡

  • መንበሪ ገዛን ስራሕን ዚርከበሉ ቦታ
  • ኣበይን ብኸመይን ኢና ኣብ መጓዓዝያ፡ መሳለጥያታትን፡  መናፈሻታትን፡ ካልእን ወፍሪ ንገብር።

እቲ ዕላማ ንሲያትል ኣዝያ ፍትሓዊት፡ ክትነብረላ ብቕዕቲ ዝኾነት፡ ዘላቒት፡ ተጻዋሪት(ንከይትበላሾ) ምግባር እዩ።

ነቲ ኣብ መጻኢ ሲያትል ዚርአ ዓብዪ ስእሊ ንምምራሕ ዝያዳ ንምፍላጥን ዘለካ ሓሳባት ንምክፋልን፡ ነቲ ናይ ቢሮ ምውጻእ ትልሚን ምዕባለን ማሕበረሰብ (OPCD) ዝኾነ መደብ ሓንቲ ሲያትል ናይ ተሳትፎ ማእከል (One Seattle Plan Engagement Hub) ርአ።


ብዛዕባ መደብ መጉዓዝያ ሲያትል (STP) ዝያዳ ተምሃር ሓሳባትካ ድማ በቲ እትመርጾ ቛንቋ ኣካፍል፡