Find Posts By Topic

ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ናይ ፈተነ መደብ ሓጺር መግለጺ – ጽቡቕ ዝኸደ ነገር እንታይ ኣሎ፣ ንቐጻሊ ኸ እንታይ ትምህርቲታት ኣለዉ


Please note: to return to the English version of this blog, you can click here.


ኣባላት ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ናይ ፈተነ መደብ ኮሚቴ ኣመራርሓ ናይ ሓባር ስእሊ፣ ኣብ መጋቢት 2022 ዝተወሰደ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)
ኣባላት ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ናይ ፈተነ መደብ ኮሚቴ ኣመራርሓ ናይ ሓባር ስእሊ፣ ኣብ መጋቢት 2022 ዝተወሰደ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን Ride Now ዝተብሃለ ካብ ክፍሊት ናጻን ብናይ ዋጋ ቅነሳ ዝቐርቡን ናብ ትራንዚትን ካልኦት ቦታታትን ናይ መጎዓዚያ ኣገልግሎታት ዘቕርብ ናይ ፈተነ መደብ ኣካይድና ኢና። እዚ መደብ እዚ ነቶም ስንክልና ዘለዎም፣ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ሰባን፣ ሓብሐብቶምን ኣብ ውሽጢ ከተማ ሲያትልን ኣብ ዙርያኣን ክጎዓዙ ዝገብር እዩ ነይሩ።

ነቲ መደብ ገምጊምናዮ ኢና ስለዝኾነ ድማ እንታይ ጽቡቕ ከምዝኸደ፣ እንታይ ትምህርቲ ከምዝወሰድናን ኣመልኪትና ዘለና ሓበሬታ ነካፍል ኣለና። እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ናይ ህዝባዊ መጎዓዚያ ዘሎ ፍትሓውነትን ርትዓውነትን ንምምሕያሽ ዝካየዱ ጻዕሪታት ንምሕጋዝ ዘኽእል እዩ። ብዛዕባ እዚ Ride Now ዝተብሃለ ናይ ፈተነ መደብ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታና፣ ኣብ ታሕቲ ዝተገለጻ ናይ ጽሟቕ ጸብጻባትና ወይ ኣብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝጠቃዕናዮ ናይ ብሎግ ጽሑፍ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

  • ካብ’ቲ ንኹሉ ሓቛፊ ዝኾነ ትልሚ ዝተወሰደ ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ትምህርቲታት
  • ካብ ኣተገባብራ እዚ ናይ ፈተነ መደብ ዝተወስደ ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ትምህርቲታት

እንተላይ ኣብ ሕድሕድ ስጉምቲታት ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ኣካል ክኾን ምግባር

ኣብ ከይዲ ትልሚ ምድላውን ኣፈጻጽማን ኣዚ ናይ ፈተነ መደብ ምስ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ብሓብር ሰሪሕና ኢና። እዞም ኣባላት ማሕበረሰብ ነቶም ስንክልና ዘለዎም፣ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ሰባትን፣ ሓብሐብቶምን፣ ከምኡ ድማ ናይ ግልጋሎት ኣቕረብቲ ዝሓውሱ እዮም። ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ከይዲ ምድላው እዚ ትልሚ ክሳተፉ ምግባርና ካብ’ቲ ብዘይ ርኢቶኦም ዝተዳለወ መደብ ዝሓሸ ናይ ፈተነ መደብ ክነዳልው ኣኽኢሉና እዩ።

እቲ ናይ ማሕበረሰብ ተሳትፎ ከም ክዛዘም ዘለዎ ደረጃ እንተይኮነ ከም ኣገዳሲ ክፋል እቲ መደብ ጌርና ኢና ንሪኦ። ነቶም ኣብ’ቲ ናይ ኣመራርሓ ኮሚቴና ን18 ኣዋርሕ ዘገልገሉ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ እውን ክፍሊት ፈጺምናሎም ኢና። እዚ ካብ’ቲ ናይ’ዚ ናይ ፈተነ መደብ ዓበይቲ ዓወታት እቲ ሓደ ኮይኑ፣ እቲ ናይ ፈተነ መደብ ድማ ብጽቡቕ ክኸድ ዝሓገዘ እዩ። ኣብ ቀጻሊ እውን ኣብ ተመሳሰልቲ መደባት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ኣቲ ማሕበረሰብ ክፍሊትን ንምፍጻም ክንሓስበሉ ኢና። ንኹሉ ሰብ ድማ ምትእምማን ንምህናጽ፣ ምቾት ንምርካብን፣ ምስ’ቶም ኣባላት ማሕበረሰብ ሓቢርካ ብምስራሕ ነቲ መደብ ቅርጺ ንምትሓዝን ግዜ ዝወሰደ ጉዳይ እዩ ነይሩ።

ክልተ ኣባላት ማሕበረሰብ ከም ኣካል ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ናይ ፈተነ መደብ ናይ ወረቐት ቫውቸራት ብኢዶም ሒዞም ኣለዉ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)
ክልተ ኣባላት ማሕበረሰብ ከም ኣካል ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ናይ ፈተነ መደብ ናይ ወረቐት ቫውቸራት ብኢዶም ሒዞም ኣለዉ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)

ገምጋም መደብ ፈተነ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) – እንታይ ተማሂርና

እዚ Ride Now ዝተሰመየ ናይ ፈተነ መደብ ንኸምዚ ዝበለ መደብ እቲ ህዝቢዊ ጠለብክፍጸም ዝኽእል ምዃን ዘይምዃኑን ዝፈተነ እዩ ነይሩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ተዓጻጻፋይ፣ በቐሊሉ ክርከብ ዝኽእልን ብሕቶ ዝቐርቡ ናይ መጎዓዚያ ቫውቸራትን ዘለዉዎ መደብ ድልየት ከምዘለዎ ተረዲእና ኢና። ካብ ዝተወሰኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ሕቶ ክቐርበልና እኳ ትጽቢት እንተነበረና፣ ዳርጋ ክሳብ 1000 ዝኾኑ ሰባት ሕቶታት ቀሪቡልና እዩ።

ዓወታት እዚ ናይ ፈተነ መደብ፡

  • ካብ’ቶም ተሳተፍቲ ብዝረኽብናዮ ርኢቶ መሰረት፣ ብዘይ ገደብ ናይ መብጽሒ ቦታታት ግልጋሎት መጎዓዚያ ምሃብ ጽቡቕ ብዝበሃል መልክዑ ዝሰርሐ ኮይኑ፣ ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞታት ድማ ዝበለጸ ጥቕሚ ዝህብ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
  • ሰባት ንገዛእ ርእሶም ብቑዓት ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ኸፈልዩ ዝተገብረሉ ስራሕ እውን ጽቡቕ ሰሪሑ እዩ። ዝኾነ ዓይነት ምትላል ኣይገጠመናን፣ ካብ’ዚ ብተወሳኺ እቶም ተሳተፍቲ ከም’ቲ ኣብ ካልኦት መደባት ዝግበሮ ነቲ ኩነታት ስንክልና ንምርግጋጽ ካብ ምሕሳብ ነዚ ኣቀራርባ ኣዚ ከምዝፈተዉዎ ሓቢሮምና እዮም።
  • ካብ ሓደ ንላዕሊ ኣቐረብቲ መጉዓዝያን ናይ ወረቐትን ናይ ኤሌክትሮኒክን ቫውቸራት ሓዊሱ፣ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ምቕራብ እውን ጽቡቕ ሰሪሑ እዩ። እዚ ድማ ንሰባት ኣብ ጉዳይ እቲ ዝደልዩዎ ዓይነት መጎዓዚያን ኣብ ብዝጥዕሞም መልክዑ ንምርካብን ብዝምልከት ዝተፈላለዩ ምርጫታት ዝሃቦም እዩ ነይሩ።
ሓደ ናይ የለው ካብ (Yellow Cab) ገናሒ መኪና ንሓደ ተሳታፊ መደብ ፈተነ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ንምስቃል ኣብ ምድላው እንከሎ ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)
ሓደ ናይ የለው ካብ (Yellow Cab) ገናሒ መኪና ንሓደ ተሳታፊ መደብ ፈተነ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ንምስቃል ኣብ ምድላው እንከሎ ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)

ነቶም ኣብ ቀጻሊ ግዜ ክካየዱ ዝኽእሉ ተመሳሰልቲ መደባት ዝኾኑ ዝተወስዱ ትምህርቲታት፡

ኣብ ቀጻሊ ንተመሳሰልቲ መደባት ንምምሕያሽ ክሕግዙ ዝኽእሉ ነገራት ተማሂርና ኢና፡

  • ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ነቶም ስንክልና ዘለዎምን ሰባት ናይ ነዊሕ እዋን ናይ መጎዓዚያ ቫውቸር መደብ ምቕራብ።
    • ሰባት ካብ’ቶም መሰረታዊ ጠለበታቶም ሓሊፎም ድልየታቶም ከማልኡ ክኽእሉ ምእንታን እኹል መጠን ጥቕሚታት ክረኽቡ ምግባር።
  • ተጎዓዝቲ ብዝተኽኣለ መጠን ተዓጻጻፋይነት ከም ዝመርጹ ምርዳእ።
    • ገለ ናይ ኡበርን ናይ ሊፍትን ተጎዓዝቲ ዝኾነ ዝተረፎም ዘይተጠቐሙሉ መጠን ገንዘብ ክዕቅቡ ብዘይምኽኣሎም ቅር ኢልዎም እዩ፣ ካልኦት ድማ ናይ’ተን ቫውቸራቶም ዋጋ ብዝተኽኣሎም ንምውሳኽ ናብ $20 ዝተጸገዐ ክፍሊት ዝሓቱ ጉዕዞታት ትልሚ ከውጽኡ ፈቲኖም እዮም።
  • ብዛዕባ እቲ መደብ ዝያዳ ፍልጠት ክህነጽ ኣብ ምግባር ምስ’ቶም ገናሕቲ መኪና ምርኻብ። ን ኣብነት፡
    • እቶም ኣብ’ቲ ናይ ኣመራርሓ ኮሚቴ ዝርከቡ ገናሕቲ መኪና ሓዊስካ (ናይ ኣገልግሎት ኣቕረብቲ ምስ ተፈለዩ)።
    • ኣማኻሪ ጉጅለ ገናሕቲ መኪና ብፍሉይ ከምዝእከቡ ምግባር።
    • ብዛዕባ እቲ ናይ ፈተነ መደብ ንምፍላጥን ነንሕድሕድ ሕቶ ክቐርብ ንምግባርን ምስ’ቶም ናይ መኪና ገናሕቲ ዝግበር መደብ ሓፈሻዊ መግለጺ ምድላውን ቀዲሕካ ምቕማጥን።
    • ካብ ፈለማ ኣትሒዝካ ብዛዕባ እቲ መደብ ፈተነ ዝምልከት ኣብ ናይ መኪና ገናሕቲ ጠመተ ዝገበሩ ተወሰኽቲ ርክባት ምጥያሽ።
  • ዝያዳ ኮነ ኢልካ ደረጃ ብደረጃ ዝካየድ ከይዲ ዕላው ምግባር ምስዓብ፡
    • ነቲ ዋና ናይ ፈተነ መደብ ናብ ስራሕ ክኣቱ ቅድሚ ምግባር፣ ኣብ’ተን ናይ መጎዓዚያ ቫውቸራት ብሒደት ተጉዓዝቲ (ዘይተሓሰቡ ብድሆታት ክጻወሩ ዝኽእሉ) ጌርካ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ፈተነ ምክያድ።

ብዛዕባ እዚ መደብ ናይ መጠቓለሊ ሓሳብ ዝህባ ሰነዳት ኣብ መርበብ ሓበሬታና ብምኻድ እውን ክተንብብ ትኽእል ኢኻ።

ኣባላት ኣመራርሓ ኮሚቴ መደብ ፈተነ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ኣብ'ቲ ኣብ መጋቢት 2022 ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣብ ምምይያጥ እንከለዉ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)
ኣባላት ኣመራርሓ ኮሚቴ መደብ ፈተነ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ኣብ’ቲ ኣብ መጋቢት 2022 ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣብ ምምይያጥ እንከለዉ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)

ቅልጡፍ ስታቲስቲክስ መደብ ፈተነ ሕጂ ተጎዓዝ Ride Now

  • ክሳብ 1,000 ንዝኾኑ ሰባት ልዕሊ 6,700 ቫውቸራት ኣከፋፊልና ኢና
  • ብሓፈሻ፣ ክሳብ 58% ዝኾኑ ተሳተፍቲ እንተወሓደ ሓደ ቫውቸር ኣብ ጥቕሚ ኣውዒሎሞ እዮም።
  • ተጎዓዝቲ ልዕሊ 1,400 ዝኾኑ ጉዕዞታት ተጓዒዞም እዮም (በገምጋም ሕድሕድ ተጉዓዛይ 2 ጉዕዞታት)
  • መብዛሕቲኡ እቲ ዝተኻየደ ጉዕዞ ትሕቲ 3 ማይልስ እንትኾን፣ ክሳብ 11 ደቓይቕ ዝወሰደን፣ እቶም ተጉዓዝቲ $5 ክኸፍሉ ዝገበረን እዩ ነይሩ።
  • ተጎዓዝቲ ንሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ደረጃ ክህቡ እንከለዉ ብገምጋም ካብ 5 ነጠቢ፣ 4.1 ሂቦምዎ እዮም

ናይ ማሕበረሰብ ጥቕስታት

እዚ መደብ እዚ ኣገዳሲ፣ ጠቓሚን፣ ስግግር ዘምጽእን እዩ። ኣነ ብዕድመይ ዓብዪ ዝኾንኩን ድሩት ዓቕሚ ዘለኒ ሰብ እዬ፣ እዚ ማለት ከም ዝበለ አድለይቲ ንዝኾኑ ናይ መጎዓዚያ መገዲታት ክረክብ ምኽኣል ኣዝዩ ደስ ዝብል ነገር እዩ።

እዘን ቫውቸራት እዚአን ንሂወተይ ኣድሒነናኦ እየን!” ኸመይ ዝበለ ናጻ ዝገብር መደብ እዩ! ኣብ ናይ ኣውቶቡስ መጎዓዚያ ጸገም ዘሎ ብምዃኑ፣ ናብተን ምሉእ ንምሉእ ክሓልፋኒ ዝኽእላ ዝነበራ ቆጸራታት ከይደሉ እዬ። ከም ካሊእ ግዜ ከም ኮነ ክረኽቦም ዘይክእሎም መሓዙተይ ብምርካብ ንሂወት ከስተማቕራ ክኢለ እዬ። ኣብ ገለ ግዜያት ናብ ናይ ሸቐጣሸቐጥ መደብር ብእግሪ ምኻድ ወይ ትራንዚት ተጠቒምካ ምኻድ ልዕሊ ዓቕመይ ኮይኑ ክስመዓኒ እንከሎ ዝተመጣጣነ/ሃናጺ መግቢ ይምገብ። ከም መጠን ሓደ ስንክልና ዘለዎን ሕዱር ሕማም ዝሓምምን ሰብ ነዚ ሓገዝ እዚ ክረክብ ምኽኣለይ ኣዝዬ እዬ ተሓጒሰ!!”

ናይ ሕጂ ተጎዓዝ (Ride Now) ናይ ኡቨር ቫውቸራት ንምጥቃም ዘኽእል ዕልድ ምርካበይ ከምዚ ካብ መንኵበይ ዓብዪ ክብደት ዝተልዓለለይ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።

ቀጸልቲ ስጉምቲታትን ምስጋናን

ካብ’ዚ መደብ እዚ ዝወሰድናዮ ትምህርቲ፣ ኣብ ቀጻሊ እናካይዶም ተመሳሰልቲ መደባት ሓዊሱ፣ ኣብ’ቲ ብቐጻሊ እነካይዶ ስራሕ ኣብ ጥቕሚ ክነውዕሎ ኢና። ኣብ’ዚ እዋን እዚ መደብ ዝሓዝናሎም ዝኾኑ መደባት ዘይብልና እኳ እንተኾነ፣ እዚ መደብ ፈተነ ንቐጻሊ ጠቓሚ ዝኾነ ሓበሬታ ንምቕራብ ዝሕግዝ እዩ።

ተወከልቲ ማሕበርሰብ ኣብ’ቲ ናይ ኣመራርሓ ኮሚቴ ንዝነበሮም ተሳትፎ ብናእዳ እንሪኦ ጉዳይ ኮይኑ ንኹሉኹም ኣብ’ዚ መደብ እዚ ዝተሳተፍኩም ወይ ድልየት ዘርኣኹም ድማ ክነመስግነኩም ንፈቱ። ከነገልግለካ ኢና ኣብ’ዚ ዘለና፣ ነቲ ዝሃብካና ግዜ ድማ ዋጋ ንህቦ ኢና። ነቲ ናይ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝህበና መሻርኽትና፣ Transit Planning 4 All፣ ናይ መጎዓዚያ ኣገልግሎት ኣቕረብትናን ገናሕቲ መኪናን፣ ከምኡ ድማ ነዚ ሓበሬታ እዚ ናብ ካልኦት ክበጽሕ ዘኽኣሉ ናይ ማሕበረሰብ መሻርኽትና ምስጋና ከነቕርብ ንደሊ። የቐንየልና!