Find Posts By Topic

ድልድል ምዕራብ ሲያትል ኣብ መስከረም 18 መሊሱ ክኽፈት እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።


Please note: you can click here to return to the English version of this blog post.


ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል (SDOT) ድሕሪ ነቓዕ ምጽጋኑን፣ ኣስታት 60 ማይልስ ናይ ሓጺን ገመድዓንዲ ሑቐናብቲ ድልድል ምውሳኹን እቲ ድልድል ዝበለጸ ጥንኩርን ውሑስን ኮይኑ ይርከብ።

ሲያትል (ነሓሰ 11፣ 2022) – እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ድልድል ምዕራብ ሲያትል ናይ ጽገና ጻዕሪ ኣብ መወዳእታ ብርኪ በጺሖም ኣብ ዝርከቡሉ ግዜ፣ ናይ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል (SDOT) ኣብ ቐረባ እዋን ዝተኻየዱ ምዕራፋት ስራሕቲ ህንጸት ብቲ ትልሚ መሰረት ከምዝተዛዘሙን እቲ ድልድል ድማ ኣብ መስከረም 18 ዕለተ ሰንበት መሊሱ ክኽፈት ምዃኑን ኣፍሊጡ። እዚ ከዓ ከም ናይ ኢፖክሲ ምግባር፣ ናይ ካርበን ፋይበር ምንጻፍን፣ ስራሕቲ ጽርግያ፣ ናይ ድሕንነት ምርመራ ማዕቀፍ ተኸላን፣ ከምኡ’ውን ጥንኩር ፈተነ ድሕንነትን ዝበሉ ስራሕቲ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ኣብ ምዝዛሞም ዝምርኮስ እዩ። እቶም ኣብ Spokane St Swing Bridge (ዌስት ሲያትል ለው ብሪጅ ብምባል ‘ውን ዝፍለጥ) ዝተነበሩ ኩሎም እገዳታት ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ክልዓሉ አዮም።

ስእልታትን ቪድዮታትን ኣብ YouTubeFlickr፣ ን ኣብ ናይ SDOT Blogን ይርከቡ።

“እዚ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዕጽዋ ናብ ምዝዛም ምቕራቡ አፎይታ ዝፈጥር አዩ” ክብል ናይ ሲያትል ከንቲባ Bruce Harrell ተዛሪቡ። “አዚ ዕጽዋ ንብዙሓት ሰባትን፣ ትካላትን፣ ማሕበረሰባትን ክንደየናይ ቃንዛ ክፈጥር ከምዝጸንሐ ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ካብ መጀመርታ ናይ’ዚ ናይ ጽገና ጻዕሪ ጀሚሩ፣ ውሕስናኦም ቀንዲ ውራይ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ነቲ ድልድል እንትንኸፍቶን ንከተማና ድማ ደጊምና ኽነራኽብን ከለና፣ እቲ ድልድል ሕዚ ዝጠንከረን ንኹሉ ሰብ ውሕስነቱ ዝሓለወን ምዃኑ ብምትእምማን ማሕበረብሰብና ብሓባር እናኣታኣኻኸብና ኢና።”

መርመርቲ ድልድል ኣብ’ቲ 40 ዓመት ዝኾኖ ኣካል ናይ ድልድል ምዕራብ ሲያትል ብፍጥነት እንዳዓበየ ዝኸይድ ነቓዕ ምስረኸቡ ኣብ መጋቢት 2020 ተዓጽዩ። ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል (SDOT) ኣብ 2020 ተወሳኺ ነቓዕ ከይፍጠር ንምክልኻልን ነቲ ድልድል ቀኒዑ ክቕጽል ንምግባርን ህጹጽ ጽገና ኣካይዶም እዮም። ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ኣብ 2021ን 2022 ነቲ ድልድል ንምጥንካርን ክብደትን መዓልታዊ ጻዕቂ ተጓዓዝቲ ዝጻወር ንምግባርን ዘተኣማምን መዛዘሚ ጽገናታት ንምግባር ናይ ህንጸትን ንድፍን ስራሕቲ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

“እዚ ኣብነታዊ ጻዕሪ ነቶም ነቓዓት ጸጊኑ ነቲ ድልድል ጥንኩርን ውሑስን ክኾን ጌሩዎ እዩ።” ክብል Heather Marx ገሊጹ። “ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል እቲ ድልድል ኣብቶም ዝቕጽሉ ዓሰርታት ዓመታት ጥንካረኡ ሓሊዩ ጠጠው ከምዝብልን ነቲ ፈለማ ተኣሚቱሉ ዝነበረ ዕድመ ክምዝመልእን ይተኣማመን። ናይ’ዚ ፕሮጀክት ሕልኽላኻት ኣብ እንሓልፈሉ እዋን ንዝነበረ ናይ’ቲ ሕብረተሰብ ትዕግስቲ ነድንቕ።”

ውሕስና ኣብ ኩሎም ናይ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ፕሮጀክታት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ እዩ። ነቲ ድልድል ካብ ምጽጋን ብተወሳኺ፣ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ካብ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ ምንቅስቓስ ፈለይቲ መሳርሒታት፣ ካሜራታትን፣ ካልኦት ናውትን ዘለውዎ ዘመናዊ ዝኾነ መከታተሊ ስርዓት አብ ውሽጢ እቲ ድልድል ተኺሉ እዩ። እዚ ዝተተኸለ ስርዓት ስዉር ምንቅስቓሳትን ናይ’ቶም ዘለዉ ነቓዓት ዕብየትን ክምዝግብ ዝኽል እዩ። ነቲ ድልድል 24/7 እናተኸታተለ ነቶም ንኩነታት እቶም ኣብ’ቲ ድልድል ዝተኻየዱ ጽገናታት ዝከታተሉ ሰራሕተኛታት እዋናዊ ዝርዝር ኩነታት ብምልኣኽ መጠንቀቕታ ዝህብ እዩ። ኣብ’ተን ዝመጻ ዓማውቲ መርመርቲ በብግዜኡ ናይ’ቲ ድልድል መዋቕራዊ ክፋላት ንኽፍትሹ ዘኽእል ቀዋሚ መመርመሪ ማዕቀፍ ኣብ ውሽጢ እቲ ድልድል ክህነጽ እዩ።

እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ቲ ጽገና ሓድሽ ናይ ስቲል ድሕረ-ውጥረት ስርዓት ኣብ ውሽጢ እቲ ድልድል ምስራሕ እዩ ኔሩ። ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ኣብ’ቲ ናይ ፈለማ ናይ ህጹጽ ጽገና ስራሕቲ ኣስታት 10 ማይል ዝንውሓቱ ሓደሽቲ ናይ ስቲል ገመዳትን ኣብ’ቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ድማ ኣስታት 50 ማይላት ዝንውሓቱ ናይ ስቲል ገመዳት ወሲኹ እዩ። ሕድሕድ ገመዳት ብፍሉይ ናይ ኮንክሪት ጡባት ተታሒዞምን ተደጊፎምን ምስቲ ድልድል ዝተጠምጠሙን ልዕሊ 20 ሚሊዮን ፓውንድ ሓይሊ ክጻወሩ ዝኽእሉን እዮም።

እዚ ናይ ብረት ድሕረ ውጥረት ስርዓት ናይ’ቲ ድልድል ዓንዲ ሑቖ ኮይኑ፣ ነቲ ኣብ ዙሪይኡ ዝርከብ ናይ ኮንክሪት ውቅሪ ጠሚሩን ኣጠንኪሩን ይሕዝ። እቲ ሓድሽ ስርዓት አብ ልዕሊ ድዋምሽ ዋተርወይ ዘሎ ናይ’ቲ ድልድል ሰለስተ ክፋላት ተዘርጊሑ ይርከብ፣ ነቶም እቲ ኣብ 1980ታት ካብ ሓደ ጎድኒ ናብ ናብ’ቲ ካልእ ጎድኒ ዝተሰርሐ ድሕረ ጸቅጢ ስርዓት ዘየርከበሎም ክፋላት ዘጠቓለለ እዩ።   

እቲ ሓድሽ ድሕረ ውጥረት ስርዓት ምስ’ቶም አብ’ቲ ድልድል ዝተኻየዱ ካልኦት ጽገናታት ብስምረት ሓቢሩ ዝሰርሕ ኮይኑ፣ ነቶም ልክዕ ከም ኣብ ዝተሰበረ ዓጽሚ ዙርያ ዝግበር ጥምጣም ጀሶ ኣብ’ቲ ውሽጣዊን ደጋዊን መንደቕ እቲ ድልድል ተጠምጢሞም ዝርከቡ ተወሳኺ ጥንካረ ክህልዎም ዝተገበሩ ናይ ካርበን ፋይበራት እውን ዘጠቓልል እዩ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣባላት ጉጅለ ቀጻሊ ውድመትን ምሽርሻርን ንምክልኻል ኢሉውን ነቶም ነቓዕ ዘለዎም ብኢፖክሲ ምምላእ ኮንክሪታት ንምልጋብ ዘኽእል ብሰፊሑ ክልሕም ገይሮም እዮም። እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ናይ ጽገና ስርዓታት ነቲ ድልድል ንዓሰርታት ዓመታት ብብዝሒ ጉዕዞ መካይን፣ ምልዉዋጥ ኩነታት ኣየር፣ ከምኡድማ ንሓያል ሙቐትን ጽዑቅ ክረምትን ንኽጻወር ክዳሎ ገይሮምዎ እዮም።

እቲ ድልድል ቅድሚ ምኽፋቱ፣ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል መዋቕራዊ ትሕዝትኡ ጽቡቕን ንህዝቢ ድልው ምዃኑን ንምርግጋጽ ዘኽእሉ ብዙሓት ፈተነታት ከካይደሉ እዩ። እቲ ፈተነ ጽዑቅ ጉዕዞ መካይን ዘለዎ ጸቅቲ ንምምሳል ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ከበድቲ ዓቕሑት ጽዒንካ ምጓዓዝን መሃንዲሳት ድማ ግብረ መልሲ ናይ’ቲ ውቕሪ በብሰዓቱ ክከታትለዎ ምግባርን እቲ ዝተኻየደ ጽገና ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምዃኑ ምርግጋጽን ዝሓወሰ እዩ።  

ካልኦት ተሪፎም ዘለዉ ድልድል ቅድሚ ምኽፋቱ ዝስርሑ ስራሕቲ ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ዝሓወሰ እዩ፥

  • ናይ መወዳእታ ኢፖክሲ /ምልሓም ምግባርን ናይ ካርበን ፋይበር ጥቕለላ ምዝዛምን
  • ናይ ካርበን ፋይበር ጥቕለላ ዝነቕጸሉ ጊዜ ምውዳእ
  • ነቶም ናይ ስራሕ መካየዲ ማዕቀፋት ምውጋድ
  • ፈተነ ጸቕጢን ምርመራ ጽገናታትን ምክያድ
  • ቀዋሚ ናይ ምርመራ ማዕቀፋት ኣብ ውሽጣዊ መዋቅር ናይ’ቲ ድልድል ምትካል
  • ኣብ ወለል ናይ’ቲ ድልድል ዘሎ ምንጻፍ ናብ ንቡር ምምላስ
  • መሳርሕታት ህንጸት ኣወጊድካ ነቲ ድልድል ንህዝቢ ቅሩብ ምግባር

ዋላኳ እቲ ስራሕ ኣብ መላእ እዋን ክረምቲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ እንተኸደ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምዝዛም ክስራሕ ዝግብኦ እቲ ዝተረፈ ምምዕርራይን ፈተነን ንምውዳእ ፈታኒን ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ስራሕቲን የድሊ። ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ብቐጻልነት ነቲ ህንጸት ዝምልከቱ እዋናዊ ሓበሬታታት ንምሃብን፣ ነቲ ዝኽፈተሉ ዕለት ከናውሑ ተኽእሎ ዘለዎም ዘይተኣመቱ ካብ ቁጽጽሮም ወጻኢ ዝኾኑ ሕልኽላኻት እንተኣጋጢሞም ድማ ንህዝቢ ንምፍላጥ ቁርጸኛታት እዮም።

አብ መላእ መስርሕ እቲ ጽገና፣ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ንሳውዝ ፓርክ፣ ጆርጅ ታውንን፣ ማሕበረሰባት ምዕራብ ሲያትልን ኣብ ቅድሚትን ብምስራዕ ማእኸል ትልምታቱን ምክፋልን ገይሩ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ካብ ምምዕርራያት ናይ’ቲ ድልድል ብተወሳኺ ክፍሊ መጓዓዝያ ሲያትል ከባቢ 50 ሚልዮን ዶላር ኣብ ፕሮጀክታቱ ኣውዒሉ ከም ሃይላንድፓርክን ዱዋሚሽ ቫሊን ዝበሉ ጎረባብቲ ጎደናታት ድልድል ተዓጺፉ ዝኣትወለን ሰፈራትን ቤት ዕዮታትን ፍጥነት መጓዓዝያታት ንምርግጋእን ውሕስና ክህልዎ ምግባርን ይሰርሕ።

ሰባት እንታይ ይብሉ ኣለዉ፡

“ካብ ዝዕጸው ጀሚሩ፣ ኩሎም ነበርቲ ምዕራብ ሲያትል፣ ሳዉዝ ፓርክን፣ ጆርጅ ታዉንን፣ ምኽፋት ናይ’ቲ ድልድል ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ” ክትብል ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ዝኾነት Lisa Herbold ተዛሪባ። “እቲ ድልድል ተዛዚሙ ምስ ካልኦት ክፋላት ሲያትል ዳግም ከራኽበና ቁሩባት ሓጸርቲ ሰሙናት ስለዝተረፍዎ ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ናይ ዕረፍቲ ትንፋስ ይትንፍስ ኣለኹ።”

“እዚ ወሳኒ ዝኾነ ድልድል ዝኽፈተሉ ቁርጺ ዕለት ብምፍላጥና፣ ምዕራብ ሲያትልን እቲ ክልልን ዝተሰመዖም እፎይታ ይካፈል እዬ፣” ክብል ኣባል ቤት ምኽሪ ከተማ ሲያትል ዝኾነ Alex Pedersen ይገልጽ። “እዚ ድልድል ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ጽገና ዳግም ክኽፈት እንዳተጸበኹ እንዳሃለኹ፣ እዚ ሃንደበታዊ ዝኾነ ዕጽዋ ነቶም ካልኦት ኣብ ምእራግ ዝርከቡ ድልድላትና ብቀጻሊ ቀዳምነት ንምሃብን ዳግም መዋእለ ንዋይ ንምፍሳስን ዘኽእል መበራበሪ ክኾነና ይግባእ። ኣብ’ዛ ብ ወሓዝቲን ሽንጥሮታትን ዝተዋቐረት ኣብ ምዕባይ ትርከብ ከተማ፣ ህዝብናን ቁጠባናን ዝምርኮሰሎም ብዙሓት ናይ ሲያትል ድልድላት ንምጽጋን ቀዳምነት ክንህብ ይግባእ።”

“ብሽም እዚ ሓይሊ ዕማም ማሕበረሰብ፣ ነቲ ኣብ ከይዲ ዝነበረ ናይ’ቲ ከተማ ግሉጽነት ዘለኒ ኣድናቖት ከካፍለኩም ይፈቱ።” ክትብል ናይ እቲ ሓይሊ ዕማም ምክትል ኣደ ወንበር ዝኾነት Paulina Lopez ገሊጻ እያ። “ነቲ ድልድል ካብ ምጽጋን ብተወሳኺ፣ ኣብ’ተን ዝሓለፋ ክልተን ፈረቓን ዓመታት ብከባቢታት መንበሪ ደረጃ ዝተሰርሐ ናይ ውሕስና ስራሕትን ብተወሳኺ ካብ’ቲ ከተማ ቀጻላይ ዝኾነ ደገፍ ንኣባላት ማሕበረሰብናን ኣናእሽተይ ንግዳዊ ትካላት ክወሃብ ርኢና ኢና። እቲ ድልድል ዳግም ንክኽፈት ሒደት ሰሙናት ጥራሕ ብምትራፎም ኣዚና ተሓጒስና ኢና።”

“ከም ኩሉ ነባራይ ምዕራብ ሲያትል፣ ምስቲ ዝተረፈ ክፋል እቲ ኸተማ ዳግም ንምርኻብ ሃንቀውታይ ልዑል እዩ። ድሌትና እናሰራሕና ምስ ቤተሰብና፣ መሓዙትና፣ ስራሕናን፣ ባዕልናን ጊዜ ነሕልፈሉ ናጻ ጊዜ ክህልወና እዩ።” ክብሉ ነበር ኣማሓዳሪ ከተማ ሲያትልን ምክትል አቦ ወንበር ናይቲ ሓይሊ ዕማምን ዝነበሩ Greg Nickels ገሊጾም። “እቲ ድልድል ኣብ መወዳእታ ክኽፈት ምዃኑን ውሕስናኡ ዝተሓለወ ከምዝኾነን ኣብ ግምት ብምእታው ንሂወትና ትልሚ ክነውጽእ ንኽእል ኢና። ንኩሉኹም ነዛ መዓልቲ ክትገሃድ ዝሓገዙኩምናን ካብ መጋቢት 23፣ 2020 ኣትሒዙ በዚ ኹነታት ዝተጸለዉ ኩሎም ስለ እቲ ትዕግስቶም ነመስግን።”