Find Posts By Topic

መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) | ንድፊ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል ንስኻ ንክትግምግሞ ድልዊ እዩ!  

_____ 

ጽሟቕ  

  • ነቲ ካባኻን ካብ ጎረባብትኻን ኣብ’ተን ዝሓለፋ 18 ኣዋርሕ ዝሰማዕናዮ ሓሳብ ኣካል ናይ ንድፊ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ክኸውን ጌርናዮ ኣለና። 
  • እዚ ንድፊ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ንመጻኢ እተን ናይ ሲያትል ጎደናታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትን፣ ህዝባዊ ቦታታትን ብዝምልከት ዝሓዝናዮ ናይ 20 ዓመት ራእይ እንትኾን እዚ ድማ ካብ’ቶም ብኣሽሓት ዝቖጸሩ ኣብ ሲያትል ዝነብሩ፣ ዝሰርሑን፣ ዝጻወቱን ሰባት ብዝተኣከበ ሓሳብ ዝተዳለወ እዩ። 
  • ብዛዕባ መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (STP) ሓበሬታ ክትረኽበሎምን ገምጋም ክትህበሎምን ትኽእለሎም ብዙሓት መገዲታት ኣብ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ናይ ኦንላይን ተሳትፎ ማእኸል ማለት ኣብ Seattle Transportation Plan Online Engagement Hub ይርከቡ። 
    • ብዛዕባ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ቪድዮታት ረኣይ 
    • ንመደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ብቕጽበት ገምግሞ 
    • ንንድፊ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ብምሉኡ ገምግሞ 
  • ነቲ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ንድፊ ምስ ገምገምካዮ፣ ንሕና ድማ ምምሓያሻት ክንገብር ምእንታን እቲ ዘለካ ሓሳብ ክንሰምዕ ንደሊ ኢና። ክሳብ ጥቅምቲ 23 ኣብ ዘሎ ግዜ ዘለካ ሓሳብ ኣካፍለና! 

_____ 

ነቶም ኣብ’ቶም ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ካባኻን ካብ ጎረባብትኻን ዝሰማዕናዮም ሓሳባት ተጠቒምና ነዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ንድፊ ክነዳልው በቒዕና ኣለና። 

ናይ ኩሉ ሰብ ርእይቶ ዝሓዘ መደብ መጓዓዚያ ክንዳሉ ምእንታን፣ ካብ ኩሎም እቶም ኣባላት ማሕበረሰብ፣ ብፍላይ ድማ ካብ’ቶም ቅድሚ ሐዚ ሓሳቦም ዘይሃቡና ሰባት ዘለዎም ሓሳባት ክንወስድ ንደሊ። ብኣሽሓት እትቑጸሩ ንስኻትኩም ነቶም ዘለዉኹም ተሞክሮታት፣ ክብሪታት፣ ብድሆታትን ሓሳባትን ንምክፍላ ሓገዝ ጌርኩም ኢኹም።  

ኣብ’ዚ ከይዲ እዚ፣ ኩሉኹም ሓሳባትኩምን ርእይቶታትኩምን ዘካፉልኩምና ምስጋና ይብጻሕኩም! እቲ ዝሃብኩምና ሓሳብ ነዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንድፊ ክነዳልው ሓጊዙና እዩ።  

እምበኣር ሐዚ፣ ነዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንድፊ ክትምግምን ዘለካ ሓሳባት ክተካፍለናን ንሓተካ ኣለና!  ብዛዕባ እዚ መደብ ሓበሬታታት ክትረኽበሎም ትኽእለሎም ብዙሓት መገዲታት ኣለዉ – እዚኦም ድማ ንቪድዮታት ብምርኣይ ወይ ብምስማዕ፣ ኣብ ምድላው ተሳታፊ ብምዃን፣ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ጽሟቕ ብምግምጋም፣ ወይ ድማ ንምሉእ እቲ መደብ ብምንባብ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ብዛዕባ እዚ ናይ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንድፊ ሓበሬታ ንምርካብን ንምግምጋምን ንመደብ መጓዓዚያ ሲያትል ናይ ኦንላይን ተሳትፎ ማእኽል Seattle Transportation Plan Online Engagement Hub ተወከስ። ዘለካ ግዜ 10 ደቒቓ፣ 20 ደቒቓ፣ ወይ ሓደ ሰዓት ይኹን፣ ኣብ’ዚ ተሳታፊ ንምዃንን ሓሳባትካ ንምክፋልን ትኽእለሎም ብዙሓት መገዲታት ኣለዉ፡ 

  • ብዛዕባ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ቪድዮታት ረኣይ 
  • ንመደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ብቕጽበት ገምግሞ 
  • ንንድፊ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ብምሉኡ ገምግሞ 

ብዛዕባ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል (STP) ዝያዳ ሓበሬታ ርኸብ፡   

  • ብዛዕባ መደብ መጉዓዝያ ሲያትል እዋናዊ ሓበሬታ ብኢ-መይል ንምርካብ ኣብ Seattle Transportation Plan email updatesተመዝገብ   
  • ነቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ዚዳሎ ወብሳይት multi-language websiteና ርአ  
  • ናብ’ቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ግልጋሎት ዝህብ መስመር ተሌፎንና ደውል፦ (206) 257-2114  
  • ኣብ STP@seattle.gov ብዝመረጽካዮ ቛንቋ ኢ-መይል ስደደልና