Find Posts By Topic

እዚ Ride Now ዝተሰመየ ሓድሽ መደብ ኣብ’ቶም ናብ ትራንዚት ዝግበሩ ጉዕዞታትን ካልኦት ከባቢያዊ ጉዕዞታትን ነቶም ዕድመኦም (65+) ዝኾኖም ዓበይቲ ሰባትን ናይ ኣካል ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ነጻን ዝጎደለ ዋጋን ናይ መጎዓዚያ ኣገልግሎት ዝህብ እዩ- ብዛዕባ እዚ ተወሳኺ ፍለጥ ካብ’ዚ ብተወሳኺ ነዚ ብቑዕ ምዃን ዘይምዃንካ ፍለጥ!


Please note: you can return to the English version of this blog post, by clicking here.


ካብ ሌክ ሲቲን ሳውዝ ፓርክን ከተማ ሲያትል ማእኸላት ዓበይቲ ዝመጹ ዓበይቲ ሰባት፣ ኣብ 2021 ምስ እቶም ኣብ ሲያትል ዘለዉ ኣማራጺታት ትራንዚት ግንዛበ ንክሕዙ ንምሕጋዝ ኣብ ትራንዚት ዘድሀበ ምብጻሕ ዘካየዱ ዓበይቲ ሰባት ዘርኢ ስእሊ። ስእሊ፦ SDOT
ካብ ሌክ ሲቲን ሳውዝ ፓርክን ከተማ ሲያትል ማእኸላት ዓበይቲ ዝመጹ ዓበይቲ ሰባት፣ ኣብ 2021 ምስ እቶም ኣብ ሲያትል ዘለዉ ኣማራጺታት ትራንዚት ግንዛበ ንክሕዙ ንምሕጋዝ ኣብ ትራንዚት ዘድሀበ ምብጻሕ ዘካየዱ ዓበይቲ ሰባት ዘርኢ ስእሊ። ስእሊ፦ SDOT

_______

መጠቓለሊ፡

  • ኣብ’ቶም ብትራንዚት ጥራሕ ብቐሊሉ ክብጽሑ ዘጸግሙ ጣቢያታት ትራንዚትን ካልእ ኣካባቢያዊ መዓልቦታትን- ብፍላይ ነቶም ዕድመኦም ዝደፍኡ ሰባት (65+) ከምኡ’ውን ናይ አካል ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ሓብሐብቶምን፣ ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነን ቅነሳ ዋጋ ዝግበረሉን መጉዓዝያ፣ Ride Now ዝተብሃለ ሓድሽ ናይ ፈተነ መደብ ነበግስ አለና።
  • እቶም ብቑዕነቶም ዝተረጋገጸሎም ኣባላት ማሕበረሰብ በዓል $20 ዝኾኑ ኣብ ብጫ ታክሲ፣ ኡበር ወይ ሊፍት ዝቐርቡ ግልጋሎት መጎዓዚያ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ ቫውቸራት ክወሃቦም እዩ።
  • እቶም ነዚ አገልግሎት እዚ ክረኽቡ ብቑዓት ዝኾኑ ተጎዓዝቲ ኣብ ወርሒ ክሳብ [6 ዝኾኑ ቫውቸራት፣ ብመልክዕ ወረቐት ወይ ዲጂታል ፕሮሞ ኮድ ክወሃቦም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
  • እቶም ቫውቸራት ኣብ’ቶም ኣብ ሲያትል ጀሚሮም ኣብ ሲያትል ዝውድኡ ጉዕዞታት እዮም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ፣ ካብ’ዚ ብተወሳኺ ተጎዓዝቲ ኣብ’ቶም ምስ እቲ ትራንዚት ዘራኽቡ ጉዕዞታት ልዑል መጠን ዘለዎ ቅነሳ ዋጋ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።
  • ቫውቸራት ንምሕታት፣ ብኽብረትካ ን www.seattle.gov/transportation/RideNow ተወከስ ወይ ብ (206) 684-ROAD [7623] ብምጥቃም ደውለልና።
  • ካብ’ዚ ብተወሳኺ ቫውቸራት ብመገዲ ዝተመረጹ ኣብ ሲያትል ዝርከቡ ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበሩ ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት ኣቢሎም እውን ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ብኽብረትካ ነዚ www.seattle.gov/transportation/RideNow ተወከስ።
  • እዚ Ride Now ዝበሃል ናይ ፈተነ መደብ ኣብ ኣዋርሕ መጋቢት፣ ሚያዝያን ግንቦትን 2022 ግልጋሎት ክህብ እዩ። ናይ መጎዓዚያ ቫውቸራት ድሕሪ ሰነ 1,2022 ተቐባልነት ኣይክህልዎምን ኢዩ።
  • በቶም ነዚ ናይ ፈተነ መደብ ዝተጠቐሙ ሰባት ብወለንታውነት ዝውሰድ ናይ ግብረ መልሲ ዳህሳስ ክነቕርብ ኢና እዚ ድማ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ተመሳሳሊ መደብ ብኸመይ ክነቕርብ ከም እንኽእል ዝሕብረና እዩ ክኸውን።

_______

ኣብ 2020፣ ክፍሊ መጎዓዚያ ከተማ ሲያትል (Seattle Department of Transportation SDOT) ካብ Transit Planning 4 All ዝተብሃለ (ሃገራዊ መደብ)፣ ማሕበረሰባት ከባቢያዊ ግልጋሎታት ትራንዚታትን ኣማራጺታትን ንምምሕያሽን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ሓቖፍቲ ዝኾኑ ትልሚ መደባት ከማዕብላን ኣብ ምስራሕ ካብ ዝርከብ ገንዘባዊ ሓገዝ ረኺቡ እዩ።

እዚ ዝረኸብናዮ ገንዘባዊ ሓገዝ ሓቛፊ ዝኾነ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝግበረሉ ናይ ትልሚ አገባብራ ከይዲ ክነካይድን ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ነቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ሓብሐብቶምን ዝቐረበ ናይ ምንቅስቓስ ሓገዝ ዝህብ ናይ ፈተነ መደብ ክነካይድ ኣኽኢሉና እዩ።

እዚ Ride Now ዝተሰመየ ናይ ፈተነ መደብ፣ ካብ’ቶም ብትራንዚት ጥራሕ ክብጽሑ ኣጸገምቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ናብ ትራንዚታትን ካልኦት ኣብ ከባቢ ዝርከቡ ቦታታትን ዝገበር ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ወይ ልዑል ቅነሳ ዋጋ ዝግበረሉ ናይ መጎዓዚያ ግልጋሎት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ። ተሳተፍቲ እዚ መደብ ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዘድለዮም ሰዓት ኣቐዲሞም ቦታ መሓዝ ከየድለዮም ነዚ ግልጋሎት እዚ ክቐርበሎም ብምሕታት ብጫ ታክሲ፣ ኡበር ወይ ሊፍት፣ ናብ ኣፍ ደገኦም መጺኡ ግልጋሎት መጎዓዚያ ክህቦም ይኽእል እዩ።

ሽቶ እዚ መደብ ነዞም ክፋላት ማሕበረሰብ እዚኦም ብዝበለጸ ተበጻሓይ፣ ምቹእን ዋጋኡ ጁባ ዘይጎድእ ኣማራጺ ትራንስፖርት ንምቕራብ እዩ።

እዚ ባህ ዘብል እዩ ዝመስል። ኣብ መደብ እዚ ተሳታፊ ንምዃን ብቑዕ ዝኾነ መን እዩ?

እዚ መደብ እዚ ዕድመኦም ድፍእ ዘበለ ዓበይቲ ሰባትን ናይ ኣካል ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ምስ እዞም ከም’ዚ ዝበለ ጸገም ዘለዎም ሰባት ብሓንሳብ ዝጎዓዙ ሓብሐብቶምን ግልጋሎት ንምሃብ ተባሂሉ ዝተዳለወ እዩ። እቶም ቫውቸራት ኣብ’ቶም ካብ ውሽጢ ከተማ ሲያትል ተላዒሎም ኣብ ውሽጢ ከተማ ሲያትል ዝውድኡ ጉዕዞታት ኣብ ስራሕ ዝውዕሉ ኮይኖም፣ ተሳፈርቲ ድማ ኣብ’ቶም ምስ ትራንዚት ዘራኽቡ ጉዕዞታት ልዑል ዝኾነ ቅነሳ ዋጋታት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ተወሳኺ ዝርዝር መምርሒ ኣብ www.seattle.gov/transportation/RideNow ክርከብ ይኽእል እዩ።

ኣብ መደብ እዚ ብቑዓት ዝኾኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  1. ዓበይቲ ውልቀ ሰባት:ዕድመኦም 65 ወይ ልዕሊኡ ዝኾኖም ሰባት።
  2. ስንክልና ዘለዎም ሰባት፡ ናብ ትራንዚት ንምብጻሕ ዘለዎም ተኽእሎ ክጸሉ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ዓይነት ስንክልና፣ እንተላይ ኣካላዊን ናይ ኣእምሮ ዉሱንነትን ስንክልና ዘለዎም ሰባት።
  3. ሓብሐብቲ: ምስ’ቶም ኣብ ላዕሊ ብቑዓት ተባሂሎም ዝተገልጹ ተሳፈርቲ በሓደ ዝጓዓዙ ሰባት።
ኣብ 2021 ኣባላት ኮሙኒቲ ከተማ ሲያትል ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ሲያትል ዝርከብ ኣካባቢ ኣልኪ ነቲ ጸሓይ ዝወዓለ መዓልቲ እንዳስተማቐርዎ (ብጸጋም ዝርኣይ) ብተወሳኺ ድማ ነቲ ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ኣውቶቡስ ተሳፊሮም እንከለዉ (ብየማን ዝረኣይ)። ስእሊ፦ SDOT
ኣብ 2021 ኣባላት ኮሙኒቲ ከተማ ሲያትል ኣብ ምዕራባዊ ከተማ ሲያትል ዝርከብ ኣካባቢ ኣልኪ ነቲ ጸሓይ ዝወዓለ መዓልቲ እንዳስተማቐርዎ (ብጸጋም ዝርኣይ) ብተወሳኺ ድማ ነቲ ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ኣብ ዝበጽሕሉ ግዜ ኣውቶቡስ ተሳፊሮም እንከለዉ (ብየማን ዝረኣይ)። ስእሊ፦ SDOT
ሓንቲ ሰበይቲ ሓይሊ ኣብ እትጥቀም ዊልቸር ኮይና ናብ ራፒድ ራይድ መስመር C (RapidRide Line C) ኣውቶቡስ ክትስቀል ኣብ ምጽባይ እንከላ። ስእሊ፦ SDOT
ሓንቲ ሰበይቲ ሓይሊ ኣብ እትጥቀም ዊልቸር ኮይና ናብ ራፒድ ራይድ መስመር C (RapidRide Line C) ኣውቶቡስ ክትስቀል ኣብ ምጽባይ እንከላ። ስእሊ፦ SDOT

ተረዲኡኒ ኣሎ። ስለዚ እዚ Ride Now ዝተብሃለ መደብ ብኸመይ እዩ ዝካየድ?

Graphic showing the 4 steps to take a ride with the Ride Now program.
Graphic: SDOT

ድሕሪ ነቲ ናይ መጎዓዚ ቫውቸር ሓቲትካ ምርካብካ፣ ብኸምዚ ዝስዕብ አገባብ ትጥቀመሎም፡

1 ስጉምቲ፡ መኪና ጸውዕ

  • ካብ’ዞም ዝስዕቡ መገዲታት ብሓዲኦም ተጠቒምካ መኪና ጸውዕ፡
    • ስልኪ፡ ናብ (206) 622-6500 ብምድዋል ብጫ ታክሲ ክመጸልካ ኣዝዝ።
    • ናይ ስማርትፎን ኣፕሊኬሽን፡ በቲ ኣብ ስማርትፎንካ ዝርከብ ኣፕሊኬሽኖም ተጠቒምካ ብጫ ታክሲ፣ ኡበር ወይ ሊፍት ክመጹልካ ኣዝዝ።
    • ኮምፒውተር፡ በቲ ኣብ ኮምፒውተርካ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታኦም ኣቢልካ ኡበር ወይ ሊፍት ክመጹልካ ኣዝዝ።
  • እቲ ዝጸዋዕካዮ መኪና መዓስ ኣብ’ቲ ዘለኻዮ ቦታ ከምዝበጽሕ ዝገልጽ ሓበሬታ ክበጽሓካ እዩ፣ ካብ’ዚ ብተወሳኺ ንስኻ ትደልዮም ዝተፈለዩ መሳለጥያታት ነቲ ናይ መኪና ገናሒ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

2 ስጉምቲ፡ እቲ ተሽከርካሪ ብስዓቱ ናብ ዘለኻዮ ቦታ ይበጽሕ

  • እቲ ክመጸልካ ዝኣዘዝካዮ ብጫ ታክሲ፣ ኡበር ወይ ሊፍት ኣብ ውሽጢ ሓጺር ጻንሒት ማለት እውን ካብ ዝጽዋዕ ኣብ ውሽጢ 10-30 ደቓይቕ ኣብ’ቲ ዘለኻዮ ቦታ ክበጽሕ እዩ።
  • ብጫ ታክሲ ነቶም ጠለብ ዘቕርቡ ተጎዓዝቲ ብዊልቸር ክድየባ ዝኽእላ መኻይን ከቕርብ ይኽእል እዩ።
  • እተን ናይ ኡበርን ናይ ሊፍትን ተሽከርከርቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ሰዳን (መካይን) እየን፣ ዝተፈለየ መግለጺ እንተ ዘይተዋሂቡ።

3ይ ስጉምቲ፡ ካብ’ቲ መኪና ምውራድ ካብኡ ሒሳብ ምኽፋል

  • እቲ ገናሒ ኣብ’ቲ ነዓኻ ዝቐርበካ ጣብያ ትራንዚት ወይ ኣብ ካሊእ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ዝቐርበካ ቦታ ከብጸሐካ እዩ።
  • ነቲ ናይ ዋጋ ቅነሳ ኣብ’ቲ ናይ ጉዕዞኻ ክፍሊት ንምጥቃም ነቲ ናይ ወረቐት ቫውቸር ወይ ዲጂታል ፕሮሞ ኮድ ተጠቐም።
    • እዚ ናይ $20 ናይ ዋጋ ቅነሳ ነቶም ትሕቲ 3 ማይልስ ዝኾኑ ጉዕዞታት ነጻ ወይ ድማ ዓብዪ ቅነሳ ዝተገበሮ ክኸውን ንምግባር ዝዓለመ እዩ።
    • ዝኾነ ዝተርፍ ሒሳብ እንተሎ ክፈል።
      • ነቶም ብብጫ ታክሲ ዝግበሩ ጉዕዞታት እቲ ክፍሊት ብጥረ ገንዘብ ወይ ክሬዲት/ዴቢት ካርድ ክግበር ይኽእል እዩ።
      • ኣቶም ኣብ ሊፍት ወይ ኡበር ዝግበሩ ጉዕዞታት ተረፍ ናይ ክፍሊት ሒሳባት በ’ቲ ናይ ስማርት ስልኪ መተግበሪ ፋይል ኣቢልካ ብክሬዲት ወይ ዴቢት ካርድ እዮም ክክፈሉ ዘለዎም።
  • ብኽብረትካ ነቲ ናይ መኪና ገናሒኻ ሞቕሹሽ ክትህብ ከመዘለካ ኣይትረስዕ!
    • ንብጫ ታክሲ፡ እቲ ኣብ’ቲ ናይ ወረቐት ቫውቸር ዘሎ ተረፍ ናይ ክፍሊት ሒሳብ ተጠቒምካ ሞቕሹሽ ክትህብ ትኽእል ኢኻ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ሞቕሹሽ ክትህብ ትኽእል ኢኻ።
    • ንልይፍት ወይ ድማ ኡበር፡ ነቶም ናይ መኪና ገናሕቲ ዝወሃብ ሞቕሹሽ በ’ቲ ናይ ስማርት ስልኪ መተግበሪ ፋይል ተጠቒምካ ብክሬዲት ወይ ድማ ብዴቢት ካርድ ጌርካ ክወሃብ ይከኣል እዩ።
    • ዲጂታል ፕሮሞ ኮዳት ኣብ ናይ ኡበር ወይ ድማ ናይ ሊፍት ዝግበሩ ጉዕዞታት ሞቕሹሽ ንምሃብ ኣየገልግሉን እዮም።

4ይ ስጉምቲ፡ ግብረ መልሲ/ርኢቶ ሃብ (ትተባባዕ)

  • ብዛዕባ እቲ ዝገበርካዮ ጉዕዞ ዝምልከት ዘለካ ርኢቶ ትገልጸላ ሓጻር ዳህሳስ ክትበጽሓካ እያ በዚ ድማ ነቶም ኣብ ቀጻሊ ዝወሃቡ ግልጋሎታት ቅርጺ ንምትሓዝ ዝሕግዝ ይኸውን።

ቀሊል እዩ ዝመስል! ኣብ ሐዚ ሰዓት ኣብ ኪንግ ካውንቲ ካልኦት ተበጻሕትን ተመጣጣኒ ዋጋ ዘኽፍሉን መደባት ትራንዚት ኣለዉ ?

እወ። ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ተበጻሕቲ ዝኾኑ መደብ ግልጋሎት ትራንዚት ብጠቕላላ ነዞም ዝስዕቡ ሓዊሱ ተበጻሓይ ዝኾኑ ግልጋሎት ኣውቶቡስ ከምኡ’ውን ተበጻሓይ መጎዓዚያየቕርብ እዩ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ተጎዓዝቲ ነቶም ንዓበይቲን ናይ ኣካል ስንክልናን ዘለዎም ሰባት ብዋጋ ቅነሳ ናይ ትራዚት መሕለፊ ካርድ ዝህቡ Regional Reduced Fare Permit (RRFP) cards (ክልላዊ ናይ ዋጋ ቅነሳ ዝተነብረሎም ናይ ፍቓድ ካርድታት) ንክወሃቦም ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።

ካልኦት ኣብ’ቲ ከባቢ “ኣብ ዝተሓተቱሉ” ሰዓት ክቐርቡ ዝኽእሉ ናይ መጎዓዚያ ግልጋሎታት ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡

  • Via to Transit፣ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኦቴሎ፣ ራይነር ቢች፣ ስካይዌይ፣ሬንተንን ቱክዊላን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ነቲ ግልጋሎት ንምርካብ ብቑዓት ዝኾኑ ተጎዓዝቲ ኣብ ዝተሓተተሉ ዝቐርብ ካብን ናብን ቁልፊ ናይ ትራንዚት ነጥብታትን ናይ ማሕበረሰብ ማእኸላትን ወይ ካብ ዝኾነ ነጥቢ ናብ ዝኾነ ነጥቢ ዝወሃብ ግልጋሎት መጎዓዚያ እዩ።
  • ሃይድ ሻትላት Hyde Shuttles፣ እዚአን ድማ ነቶም ዓበይቲ ዝኾኑን ናይ ኣካል ስንክልና ዘለዎምን ሰባት ካብ ክፍሊት ነጻ ዝኾነ ግልጋሎት መጎዓዚያ ዝህባ ኣብ’ቲ ከባቢ መንበሪ ኣባይቲ ዝሰርሓ ሸትላት/አውቶቡሳት እየን።

ነቲ ኣብ ቀጻሊ ዝህሉ ጉዕዞኻ ትልሚ ንምውጻእ ዝሕግዘካ አጠቓላሊ ናይ ትራንዚት ሓበሬታን ምንጭታትን ንምርካብ፣ ብኽብረትካ ን King County Metro’s online trip planner toolSound Transit’s website፣ ወይ SDOT’s Transit Program website ተወከስ።


ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ነዚ Ride Now ዝተብሃለ ናይ ፈተነ መደብ ንምምዕባልን ንምጅማርን ምስ መን ሰሪሑ?

ገንዘባዊ ደሞዝ ዝኽፈሎ፣ ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ ናይ ኣመራርሓ ኮሚተ፣ እዚ ኮሚተ እዚ 7 ዝተፋላለዩ ሰብ ብርኪ እቲ ማሕበረሰብ ዝኾኑ ዝሓቁፍ ኮይኑ፣ ኩሎም እቶም ኣባላት ድማ ኣብ ትሕቲ እቶም ናይ’ቲ መደብ ሮቛሒታት ብቑዓት ዝኾኑ ተጎዓዝቲን ሃፍቲ ፍልጠት ከምጽኡ ዝኽእሉ ማለት ብዛዕባ ተባጻሕነት፣ ጠለባት ምንቅስቓስ፣ ብሉጻት ተሞክሮታት ናይ ቋንቋ ተበጻሕነት ብዝበለጸ ልምምድ ምግባር፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ’ቲ ማሕበረሰብ ኣረኣእያታት ዝምልከት ነቲ ከይዲና ንምምሕያሽ ክሕግዙ ዝኽእሉ እዮም።

ካልኦት ምሳና ሓቢሮም ዝሰርሑ ጉጅለታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

  • Transit Planning 4 All: Transit Planning 4 All ማለት ብሄራዊ ናይ መጎዓዝያ ትልሚ መውጽኢ መደብ ኮይኑ ኣሰራርሓ ናይ ኣሳታፊ ዝኾነ ኣዋጻጽኣ ትልሚ ንምፍላጥን ንምግፋሕን ዝሰርሕ እዩ- ካብ’ዚ ብተወሳኺ ነቶም ንዓበይቲ ሰባትን ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎምን ሰባት ዘሳትፉ ናይ ዝበለጹ ናይ መጎዓዚያ ትልሚ ኣዋጻጽኣ ዝምልከቱ ኣሰራርሓታት ምምዕባልን ምዝርጋሕን ብምዉዕዋዕ ኣብ ስራሕ ንክውዕሉ ዝሰርሕ እዩ። Transit Planning 4 All እዚ ናይ ፈተነ መደብ ዝከኣል ንክኸውን ዝሕግዝ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዘቕረበ እዩ።
  • ሳዉንድ ጀነረሽንስ-ሌክ ሲቲ/ኖርዝጌት ፕሮጀክት ማእኸል ኣረጋውያን Sound Generations – Lake City/Northgate Senior Center Project እዚ Lake City-Northgate Senior Center Project ናይ ‘without walls’ ኣቀራርባ ብምስዓብ ኣብ ማዕረነትን ኣሳታፍነትን ብርቱዕ ጠመተ ሂቡ ዝሰርሕ እዩ። ኩሉ ዓይነት ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ከም ናይ ላቲን ሳዕስዒት፣ ማህጆግ፣ ናይ ስነ-ጥበብ ትምህርቲ፣ ባህላዊ ጽምብላት፣ ነጻ/ኣብ ወፈያ ዝተመርኮዙ ምግባታትን፣ ካልኦትን መደባትን ንጥፈታትን ይሳተፉ እዮም። እቲ ማእኸል ነቶም ኣብ ሲያትል ዝርከቡ ዓበይቲ ሰባት ብቀጥታዊ ማሕበራዊ ስራሕቲ፣ ምብጻሓት፣ ምንጪታት፣ ናብ ገዛ ኬድካ ምብጻሓት ዓማዊል፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሰሜንዊ ምብራቕ ሲያትል ዝተፋላለየ ድሌታት ዘለዎም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ማሕበራዊ ግልጋሎታት ዘቕርብ እዩ።
  • ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ- መደብ ምህዞ ምንቅስቓስ King County Metro – Innovative Mobility Programናይ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ- መደብ ምህዞ ምንቅስቓስKing County Metro’s Innovative Mobility Program ሰባት ኣብ ዙርያ ኪንግ ካውንቲ ንክንቀሳቐሱ ዘኽእሎም ሓድሽ ቴክኖሎጂን ግልጋሎታትን ኣብ ምቕራብ ዝርከብ እዩ። ብስትራቴጂያዊ ተበግሶታት ምርምርን ናይ ፈተነ ግልጋሎታትን ኣቢሉ ሜትሮ ከም ናይ ሓባር ምንቅስቓስ፣ ምንቅስቓስ ከም ግልጋሎት፣ ኣውቶማቲክ ዝኾና ተሽከርከርትን፣ ምዕቡላት ከተማታትን ኣቢሉ ሓደሽቲ መገዲታት መጎዓዚያ ኣብ ምንዳይ ዝርከብ እዩ። ሜትሮ እቶም ብሉጻት ዝበሃሉ ምህዞታት ብመገዲ ምትሕግጋዝ/ሽርክና መንግስታዊ ኤጀንሲታት፣ ማሕበረሰባት፣ ብሕታዊ ትካላትን ብዝግበር ኣቢሎም እዮም ዝመጹ ኢሉ ይኣምን።

ከም መደምደምታ

ብቑዓት ኣባላት ማሕበረሰብ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን 2022 ን ኣብ መፈተኒRide Nowፕሮግራም ክካፈሉ ተስፋ ንገብር።

ተወሳኺ ንምፍላጥን ነቶም ቫውቸራትካ ንምሕታትን ብኽብረትካ ን www.seattle.gov/transportation/RideNow ሎሚ ተወከስ!

ኣባላት ማሕበረሰብ ሲያትል ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት ናብ'ቲ ሊንክ ዝተሰመየ ቀሊል ባቡር ንክስቀሉ ኣብ ምድላው እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ። ስእሊ፦ SDOT
ኣባላት ማሕበረሰብ ሲያትል ዝኾኑ ዓበይቲ ሰባት ናብ’ቲ ሊንክ ዝተሰመየ ቀሊል ባቡር ንክስቀሉ ኣብ ምድላው እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ። ስእሊ፦ SDOT

ናይ Ride Now ዕላማታት መደብን ዝህቦም ረብሓታትን መጠቓለሊ፡

  • መደብ Ride Now ቅልጡፍ፣ ቀሊልን ብተመጣጣኒ ዝኾነ ዋጋ ክቐርብ ዝኽእልን ግልጋሎት መጎዓዚ ነቶም ዓበይቲን ናይ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎምን ሰባት ምስ ሓብሐብቶም ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
  • እቶም መጎዓዚያታት፣ ኣማራጺታት ምንቅስቓስ ብምውሳኽ ሰባት ናብ’ቲ ዝቐርቦም ናይ ትራንዚት ቦታ ንክበጽሑ ንምሕጋዝ ዝዓለሙ እዮም – እዚ ማለት ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ናይ ሊንክ ቀሊል ባቡር ጣብያ ወይ ክልላዊ ናይ ኣውቶቡስ ጣብያ ክኸውን ይኽእል – ወይ ናብ ካልእ ሓጺር፣ ደረጃ መነባብሮ እዞም ኣባላት ማሕበረሰብ ክውስኽ ዝኽእል ዝደለዩዎ ኣብ ከባቢኦም ዝርከብ ቦታ ምጉዓዝ እውን ክኸውን ይኽእል።
  • እዚ ብፍላይ ጠቓሚ ዝኸዉን እቲ ዘሎ ኣማራጺታት ኣገልግሎት ትራንዚት ናብ’ቲ እቲ ሰብ ዝነበረሉ ገዛ ወይ ድማ ናብ ካልእ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ክበጽሖም ዝደልዮም ቦታ ከም ከባቢያዊ ፓርክ ዝዓይነቱ ወይ ናብ ገዛ ኣባላት ስድራ ቤት ዘይበጽሕ እንተኾይኑ እዩ።
  • እዚ ናይ ፈተነ መደብ እቶም ዓበይቲ ሰባትን ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ወይ ካልኦት ናይ ምንቅስቓስ ጠለባት ዘለውዎም ሰባት ናብ ናይ ትራንዚት ቦታ ኣብ ምብጻሕ ዘጋጥሞም ብድሆ ብምቕናስ ነቲ ዝተፈጠረ ክፍተት ድልድል ብምዃን ከምዝሕግዝ ተስፋ ንገብር።

ነቶም ዓበይቲ ሰባት ኣባላት ማሕበረ-ሰብ፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ወይ ዝተወሰኑ ናይ ምንቅስቓስ ምብጻሕ ጠለባት ዘለዎም ሰባትን፣ ሓብሐብቶምን፣ ከምኡ ድማ ንኩሎም ነበርቲ ከተማ ሲያትል፣ ብዝበለጸ ተበጻሓይን ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝወሃብን ንኹሉ ዝኸውን ናይ መጎዓዚያ ኣማራጺ ንምቕራብ ክንሰርሕ ኢና!