Find Posts By Topic

ስጉምቲታት ትራንዚት ሲያትል | ንጕዕዞ ዝያዳ ዘተኣማምን ንምግባርን ግዜ ንምቝጣብን ኣብ ዝተወሰነ ኽፋል Rainier Ave S ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ንውስኽ ኣለና።


Please note: you can return to the English version of this blog post, by clicking here.


ሰባት ናብ ኣውቶቡስ ዝኣትዉ ኣብ Rainier Ave S. ብዝርክብ መጸብዪ እዩ። ስእሊ፡ SDOT
ሰባት ናብ ኣውቶቡስ ዝኣትዉ ኣብ Rainier Ave S. ብዝርክብ መጸብዪ እዩ። ስእሊ፡ SDOT

መጠቓለሊ፡

  • ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ (King Country Metro) ብምትሕብባር ኣብ Rainier Ave S ናይ ኣውቶቡስ- ጥራይ መገዲታት/ መስመራት ብምውሳኽ ዝያዳ ዘተኣማምን ንክኾን ንገብር ኣለና። እቲ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ኣዉቶቡሳት ካብ ካልኦት መካይን ብምፍላይ ሰባት ናብ ካልእ ቦታ ንኽጐዓዙ ዘኽእል እዩ።
  • ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ Rainer Ave S ንኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት እንውስኽ ዘለና ኣብ ግዜ ለብዒ ኮቪድ-19 (COVID-19) ብህዝባዊ መጎዓዚያታት ዝካየድ ጕዕዞ ልዑል ኮይኑ ብምጽንሑ እዩ።
  • እቶም ኣብ Rainer Ave S ብትራንዚት ዝጐዓዙ ሰባት እቲ ሓድሽ ንኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ሓንሳእ ምስተሰርሐ ዝህልዎ ጥቕሚ ክግንዝቡ እዮም። ብፍላይ ብዙሕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ እቲ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ሰባት ኣብ ጉዕዞ ንዘጥፍእዎ ግዜ ይንክዮ እዩ። ዝያዳ ዘተኣማምን ናይ ኣውቶቡስ ጕዕዞ ዝግበረሉ ግዜ ነቶም ኣብ ሲያትል ብትራንዚት ዝጐዓዙ ሰባት ዝሓሸ ምርጫ እዩ።
  • ኣብ ዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት ፡- ከም ኣካል Rainier Ave S Vision Zero project ኣብ ልዕሊ Rainier Ave S ንድሕንነት ዘድሊ ምምሕያሽ ክንገብር ጸኒሕና ኢና። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ከም ክፍሊ ናይ Route 7 Transit-Plus Multimodal Corridor project መጠን ኣብ Rainier Ave S ንድሕንነትን መስቀለኛ መገድን ዝምልከቱ ምምሕያሻት ክንሃንጽ ጀሚርና ኣለና።
  • ምስጋና ነቶም Seattle Transit Measure (Proposition 1) ክሓልፍ ወይ ክጸድቕ ዝገበሩ 80 ምኢታዊ ዝኾኑ ድምጺ ወሃብቲ ሲያትል ኣብ Rainier Ave S. ናይ አውቶቡሳት-ጥራሕ መገዲታት ንውስኽ ኣሎና። እዚ ኣብ ሕዳር 2020 ዝጸደቐ እማመ 1 (Proposition 1)፡ ኣብ ከተማና ብዝሒ ዘለዎ፡ ዘተኣማምንን፡ ብቐሊሉ ዝርከብን ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ዝኸውን ፍልፍል ኣታዊ ፈጢሩ። ብ 0.15 ሚእታዊት ናይ መሸጣ ቀረጽ (ማዕረ ካብ 100 ዶላር ኣቕሓ 15 ሳንቲም)፡ ብምኽፋል ነቲ ማሕበረሰብ ናይ ትራንዚት መጓዓዝያ ግልጋሎት ክረክብ ኣብ ምግባር ይሕግዙ ኣለዉ።

ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ (King Country Metro) ብምትሕብባር ኣብ Rainier Ave S ናይ ኣውቶቡስ- ጥራይ መገዲታት/ መስመራት ብምውሳኽ ዝያዳ ዘተኣማምን ንክኾን ንገብር ኣለና።

ኣብነት ናይ ኣወቶቡስ ጥራይ መንገዲ ኣብ Delridge Way SW. ስእሊ፡ SDOT
ኣብነት ናይ ኣወቶቡስ ጥራይ መንገዲ ኣብ Delridge Way SW. ስእሊ፡ SDOT

እቲ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መገድታት ንኣውቶቡሳት ካብ ካልኦት ማካይን ብምፍላይ ሰባት ብትራንዚት ምጉዓዝ ዝያዳ ዜተኣማምን ክኸውን ዝሕግዞም እዩ። ብፍላይ ብዙሕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ እቲ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ሰባት ኣብ ጉዕዞ ንዘጥፍእዎ ግዜ ይንክዮ እዩ።

ብዛዕባ ዓይነታት ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት፣ መን ክጥቀመለን ኸምዝኽእልን ካልእ ዝርዝር ሓበሬታን፡ ኣብ’ቲ ናይ ትራንዚት መስመር ወብ ሳይትና transit lane webpage ብምኻድ ሓበሬታ ርኸብ።

ኣብ እዋን ለብዒ ኮቪድ-19 እቲ ኣብ ናይ ጉዕዞ መስመር 7 ዝነበረ ቁጽሪ ናይ ትራንዚት ተጎዓዝቲ ልዑል ቁጽሪ ሒዙ ጸኒሑ እዩ። ሓደ ኻብቲ ኣብ መገዲ Rainier Ave S መገድታት ኣውቶቡስ እንውስኸሉ ዘሎና ምኽንያታት ነቶም ኣብ መስመር 7 (Route 7) ዝጎዓዙ ሰባት ብዝሓሸ መገዲ ንምግልጋል እዩ።

እቲ ኣብ Rainier Ave S ዝርከብ ናይ ጉዕዞ መስመር 7 ሓደ ኻብ’ቶም ኣብ ሲያትል ዚርከቡ ብጣዕሚ ዝተጨናነቑ ጎደናታት ኣውቶቡስ ኮይኑ፣ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 8,000 ተጉዓዝቲ (ቅድሚ እቲ ለብዒ ድማ ኣብ መዓልቲ 11,200 ተጉዓዝቲ) ዘተኣናግድ መንገዲ እዩ። ብዙሓት ኣብ ረይኔር ቫሊ (Rainier Valley) ዝነብሩ ሰባት መዓልታዊ ኣብ ናይ ጉዕዞ መስመር 7 ኣውቶቡስ ዝተመርኮሱ እዮም። ሰባት ናብ ቤት ትምህርቲ፣ ናይ መዓልታዊ ማእኸላት ክንክን፣ ናብ ናይ ሸቐጣት መደብር፣ ናብ ስራሕን ናብ ቦታ ምትእኽኻባት ማሕበረሰንብ ብአውቶቡስ ተጠቒሞም እዮም ዝጎዓዙ።

ኣብ መላእ ሲያትል ድማ፣ ብዙሓት ሰባት ናብ’ቲ ዝድልዩዎ ቦታ ንምኻድን መሰረታዊ ዝበሃሉ ጠለባቶም ንምምላእን መዓልታዊ ኣብ ትራንዚት ዝምርኮሱ እዮም። ሰባት ኣብ መላእ ጻንሒት ለብዒ ኮቪድ-19 ቀጻሊ ኣብ ትራንዚት ዝምርኮሱ እዮም። ቁጽሪ ተጎዓዝቲ ትራንዚት ኣብ ብዙሓት ናይ ጉዕዞ መስመራት ልዑል ኮይኑ ዝቐጸለ እንትኾን፣ እዚ ድማ ነተን ንብዙሓት ናይ ሕብሪ ሰባት ዝርከበን ከባቢታት ዘገልግላ ናይ ጉዕዞ መስመራት ዝሓውስ እዩ። እዞም ማሕበረሰባት እዚኣቶም፡ እታ ከተማ ካብ’ቲ ለበዳ ናጻ ንምዃን ንቕድሚት ኣብ እትግስግሰሉ ዘላ እዋን ምቹእን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት መጓዓዝያ የድልዮም እዩ። ኣብ’ቶም ኣዝዮም ዘድልዩ ቦታታት ጠመተ ጌርና ወፍሪታት ክንገብር አገዳሲ እዩ። ነዚ ምግባርና ድማ ምስ’ቶም ኣብ ዙርያ ናይ መጎዓዚያ ማዕርነትን ድሕነትን ዘለዉ ዋና ዝበሃሉ ክብሪታትን ሽቶታትና ሓቢሩ ዝኸይድ እዩ።

ኣብ’ተን ዝሓለፋ ብዙሓት ዓማውቲ ከም ኣካልRainier Ave S Vision Zero project ኣብ Rainier Ave S ናይ ድሕነት ምምሕያሻት ክንሃንጽ ጸኒሕና ኢና። ኣብ Rainier Ave S ድሕንነት ንምሕላው እነካይዶ ስራሕ ኣይተወደአን። ኣብ መጻኢ ዝያዳ ንድሕንነት ዝምልከቱ ምምሕያሻት ንምክያድ ናብ’ዚ ጐደና እዚ ተመሊስና ንምምጻእ መደብ ኣሎና። ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ከም ክፍሊ ናይ Route 7 Transit-Plus Multimodal Corridor project መጠን ኣብ Rainier Ave S ንድሕንነትን መስቀለኛ መገድን ዝምልከቱ ምምሕያሻት ክንሃንጽ ጀሚርና ኣለና።

እቲ ኣብ ቀረባ መጻኢ ኣብ Rainier Ave S ዝስራሕ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ኣብ ክልተ ምዕራፋት ተኸፊሉ ኺፍጸም እዩ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ህንጸት ድማ ካብ 8 – 10 ሓምለ ኪካየድ እዩ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ።

ኣብ’ዚ ኽረምቲ እዚ። ብዛዕባ እቲ ኻልኣይ ደረጃ ስራሕ ዝያዳ ሓበሬታ ንምክፋልን ብዛዕባ ካብ ማሕበረሰብ እተዋህበ ርእይቶ ንምእካብን ምስ’ቲ ማሕበረሰብ ክንራኸብ ኢና።

ካርታ እቲ ቦታ ፕሮጀክት ስእሊ፡ SDOT
ካርታ እቲ ቦታ ፕሮጀክት ስእሊ፡ SDOT

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ፕሮጀክት፡

  • ምዕራፍ 1 ኣብ መጀመርታ ሓምለ ኣብ Rainier Ave S ኣብ መንጎ S Alaska St ን S Walden St. ን ዚርከብ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መገዲ ንኣውቶቡስ ጥራሕ ንምውሳኽ ህንጸት ክንጅምር ኢና። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ S Oregon St ን S Edmunds St ን ናብ ደቡብ ገጹ ዚወስድ መገዲ ኣውቶቡስ ጥራይ ክንውስኽ ኢና። ነቲ ኣብ ከርብ ሳይድ ዚርከብ ጽርግያ ኣወጊድና ናብ ሓድሽ ጎደና ንኣውቶቡስ ጥራይ ክንቅይሮ ኢና። ንዅሉ እቲ ኣብ ጐደናታት ዘሎ መቘም ማካይን፣ እቲ ማእከላይ ናብ ኽልተ ወገን መጥወዪ ዘለዎ ጎደና ከምኡ’ውን ናይ ጽዕነት መእተዊ ክንዕቅቦ ኢና።
    • ካብ 8 – 10 ሓምለ ህንፀት ክጅመር እዩ። እዚ ስራሕ እዚ ኣብ ኩነታት ኣየር ዝምርኮስን ለውጢ ከግበሮ ዝኽእልን እዩ። እቲ መገዲ ኣብ እዋን ህንፀት ክፉት እዩ፣ ሰባት ድማ በብእዋኑ ዝካየዱ ናይ መገዲታት ምዕጻው ከም ዝህሉ ትጽቢት ክገብሩ ኣለዎም።
  • ምዕራፍ 2ነቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መገዲ ኣውቶቡስ ካብ S Walden St ናብ S Massachusetts St. ዝዝርጋሕ ካልኣይ ደረጃ ፕሮጀክት ጽንዓት ነካይደሉ ኣለና።
    • ክረምቲ 2022 ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት እዚ ሓበሬታ ንምክፋልን ርእይቶ ንምስማዕን ምስ ማሕበረሰብ ክንራኸብ ኢና። እቲ እትህቦ ርእይቶ ንንድፊ ፕሮጀክት ካልኣይ ምዕራፍ ዝምልከት ሓበሬታ ክንህብ ዝሕግዝ እዩ። መስርሕ ምድላው ንድፊ ፕሮጀክት ክሳብ 2023 ክቕጽል እዩ።

ሎሚ፡ ኣብ ቦታ ፕሮጀክት ምዕራፍ 1 ዝርከብ ኣብ ሓደ ኽፋል Rainier Ave S (ናብ ሰሜን ገጹ ዚጥምት) ዝርከብ ህሉው ጎደና መርኣዪ ንድፊ

ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክፋል Rainier Ave S ዝርከብ ንድፊ ጐደና። ስእሊ: SDOT
ኣብ’ዚ ሐዚ እዋን ኣብ ክፋል Rainier Ave S ዝርከብ ንድፊ ጐደና። ስእሊ: SDOT

መጻኢ፡ ኣብ ሓደ ኽፋል Rainier Ave S (ናብ ሰሜን ገጹ ዚጥምት) ኣብ ቦታ ምዕራፍ 1 ፕሮጀክት ዚርከብ ህሉው ንድፊ ጐደና። ስግግር ናይ ሓደ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መገዲ ናብ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገዲ ዘርኢ።

ናይ መጻኢ ንድፊ ጎደና ኣብ ሓደ ኽፋል Rainier Ave S፣ እንተላይ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ ሓድሽ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ ጐደና። ስእሊ፡ SDOT
ናይ መጻኢ ንድፊ ጎደና ኣብ ሓደ ኽፋል Rainier Ave S፣ እንተላይ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ ሓድሽ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ ጐደና። ስእሊ፡ SDOT

እቶም ኣብ መገዲ Rainier Ave S ብትራንዚት ዝጐዓዙ ሰባት ከም’ዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ ካብ ሓድሽ ናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መገድታት ብዙሕ ጥቕሚ ኺረኽቡ እዮም።

ብናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መንገዲ ብምጥቃም ኣብ እዋን ንጉሆ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝተቆጠበ ግዜ ዘርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ SDOT.
ብናይ ኣውቶቡስ ጥራይ መንገዲ ብምጥቃም ኣብ እዋን ንጉሆ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝተቆጠበ ግዜ ዘርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ SDOT.

ካብ ኣብ Rainier Ave S ዘሎ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መንገዲታት ፕሮጀክት ክርከቡ ትጽቢት ዝግበሮም ጥቕምታት፡

  • ዝያዳ ዘተኣማምን ትራንዚት ኣብ Rainier Ave S፡ እዚ ድማ ኣብ’ቲ ዝተጸበኻዮ ሰዓት ዝመጽእ እዩ። እዚ ከም ናይ ጉዕዞ መስመራት 7, 48 ን 106 ዝበሉ ተደጋጋሚ ናይ አውቶቡሳት ጉዕዞ ዝካየደሎም ልዑል ቁጽሪ ተጎዓዝቲ ዘለዎም መስመራት ዘጠቓልል እዩ።
  • ምስ Mt Baker ጣብያ ቀሊል ባቡር ከምኡ’ውን ምስ McClellan St ጣብያ ሜትሮ ትራንዚት ዝቐለለ ርክብ ክህሉ ምግባር። ምስ’ቲ ብ 2023 ዝኽፈት ሓድሽ መደበር ባቡር Judkins Park ጣብያ ቀሊል ባቡር እውን ዝቐለለ ርክብ ኪህሉ እዩ።
  • ብገምጋም ኣብ’ቲ ናይ ንግሆ ብኣውቶቡስ ዝግበር ጉዕዞ ናይ 2 ደቓይቕ ናይ ጕዕዞ ግዜ ምትራፍ/የድሕን። ኩነታት ካብ’ቲ ልሙድ ዝተጨናነቑ ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ኣብ’ተን ኣብ ንጉሆ ዝገበራ ጉዕዞታት 6 ደቓይቕ ምትራፍ/የድሕን።
  • ኣብ መንጎ S Alaska St ን S Walden St ን አንፈት ሰሜን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ልዕሊ 1 ደቒቕ ምትራፍ/ምድሓን
  • ኣብ ቀጻሊ፣ ነዚ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መገዲ ናብ አንፈት ሰሜን ናብ I-90 ክቕጽል ብምግባር ኣብ ናይ ትራንዚት ጉዕዞ ዝያዳ ሰዓት ክንቅንስ ትጽቢት ንገብር። ኣብ’ዚ ከባቢ እዚ፣ ናይ ትራፊክ ፍሰት መጠናት ልዑላት እንትኾኑ ምጭንናቓት ድማ መብዛሕቲኡ ግዜ ዓብይቲ እዮም።
  • ብዙሓት ጉዕዞታት ናብ ትራንዚት ምስግጋር ናይ’ቲ ጽርግያና ቦታ አጠቓቕማ ስሉጥ ክኸውን ብምግባር ኩሉ ሰብ ክርባሕ ምግባር ይከኣል እዩ።

ናይ ኣውቶቡስ- ጥራይ መንገድታት ቅልጡፍ ሓቅታት፡

  • ናይ ኣውቶቡስ – ጥራሕ መገድታት ንናይ ህዝቢ መመላለሲ ኣውቶቡሳት ዝተገደቡ ናይ ጉዕዞ መገድታት እዮም። ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳት ዝዀነ ይኹን ኣባል ህዝቢ ኺድይበንን ኪጥቀመለንን ዚኽእል ማካይን እየን። እዚ ኸኣ ነተን ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡሳት፣ ቫንፑላት፣ ናይ ስራሕ አውቶቡሳት፣ ሞተር ብሽክለታታት፣ ናይ ሓባር ተሽከርከርቲ፡ ወይ ናይ ቻርተር ኣውቶቡሳት ዘጠቓልል ኣይኰነን።
  • ብሽክሌት ዝዝውሩ ሰባት ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መንገዲ ክጥቀሙ ተፈቒዱሎም እዩ። ናይ ህጹጽ እዋን ወይ ሓደጋ ግዜ ተሽከርከርቲ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መንገዲ ክጥቀማ ተፈቒዱለን እዩ።
  • ሓደሓደ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መንገዲታት ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ንኣውቶቡሳት ዝተገደቡ ክኾኑ ከለዉ፡ ካልኦት ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መንገዲታት ግን ኣብ ዝተወሰኑ ጊዜታት ንኣውቶቡስ ጥራሕ ዝተገደቡ እዮም። እቶም ኣብ መንገዲ ዝርከቡ ምልክታትን ጽሑፋትን ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ ናይ ሰዓት ገደባት ይገልጹ። እቶም ምልክታት ጽሑፋትን፣ ነተን ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መስመራት ንመካይን ደው መበሊ ሓዊሱ ንኻልኦት ተሽከርከርቲ ምጥቃም ዝከኣል ምዃኑን/ መዓስ ምዃኑን እዮም ዝገልጹ።
  • መብዛሕትአን ናይ ኣውቶቡስ- ጥራይ መንገዲታት፡ ካልኦት ማካይን ዝዝውሩ ሰባት ብኣኣተን ኣቢሎም ኣብ መስቀላዊ መገዲ ክዕጸፉ ወይ ናብ ጎደና ክኣትዉ የፍቅዳ እየን።

ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት እዚ ዝያዳ ሓበሬታ ርኸብ እሞ ነቲ ዝህልወካ ግብረ መልሲ ድማ ኣካፍለና፡

  • ናብ’ቲ ናይ Rainier Ave S bus-only lane project website ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብጻሕ
  • ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ዝገልጽ ስሩዕ ናይ ኢመይል ሓበሬታ ንምርካብ፡ ተመዝገብ
  • ናብ’ዚ ዝስዕብ ኢሜይል ግበረልና፡ TransitLanes@seattle.gov
  • ብዝመረጽካዮ ቋንቋ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ግደፍ እሞ መሊስና ክንድውለልካ ኢና፡ 206-257-2201