ድልድል ባላርድ ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ካብ 4-7 ጥቅምቲ 2024 ንገያሾ ክፉት ክኸውን እዩ።
አሃዛት ጽሑፍ፡ 1200 ቃላት| ናይ 6-ደቓይቕ ንባብ
ብሓጺሩ
- ኣብ እዚ 107 ዓመታት ዘቑጸረ ድልድል ባላርድ ስራሕቲ ጽገናን ዕቀባን ንምስላጥ ክበሃል፣ እዚ ድልድል እዚ ኣብ ወርሒታት ሴፕቴምበርን ኦክተበርን ንብዙሓት ሰሙናት ክንዓጽዎ ከድልየና እዩ።
- እቶም ዝስርሑ ስራሕቲታት፣ እቲ ድልድል ጽኑዕን ድልዱልን ክኾን ንምግባር፣ ከም ኣካል 15th Ave W/NW & Ballard Bridge Paving & Safety Project፣ ነቶም ዝኣረጉ ናይ መናውሒ መራኸቢታት ምቕያር/ምትካእ ዝሓውሱ እዮም።
- እዚ ጽሑፍ እዚ እቲ ድልድል ዝዕጸወሎም መዓልቲታት ዝገልጽ ናይ ግዜ ሰሌዳ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ምሃብን፣ ሰባት ድማ እቲ ድልድል ኣብ ዝዕጸወሉ ግዜ ኣማረጽቲ መገዲታት ንምጥቃም ዘኽእሎም ሓበሬታን ዝህብ እዩ።
- እዚ ድልድል እዚ ተዓጽዩ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ፣ ንኣጋራትን ነቶም ብብሽከለታ ዝንቀሳቐሱ ሰባትን ግን ክፉት ክንገብሮ ትጽቢት ኣለና።
- ናይ ድልድል ባላርድ ምዕጻው ኣብ መደብ ጉዕዞታትኩም ጽልዋ ዘሕድር ከም ዝኸውን ንርዳእ ኢና፣ ኮይኑድማ ንእተርእዩና ትዕግስቲን ርድኢትን ድማ ነመስግን።
- እዚ ኣብ ቀጻሊ ዝህሉ ምዕጻው እዚ ዝድልድል፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሳመር/ክረምቲ ዝተዛዘመ ስራሕቲ ብምቕጻል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝኣረገ ጽርግያ ድልድል ባላርድ ናይ ምትካእ ስራሕቲ ምስራሕ እዩ።
- ካብ ጉጅለና እዋናዊ ሓበሬታታት ንምርካብ ብኽብረትካ ኣብ’ቲ ናይ ኢሜይል እዋናዊ ሓበሬታት ተመዝገብ። የቐንየልና።
ድልድል ባላርድ ዝዕጸወለን ዕለታት
እቲ ድልድል ንገናሕቲ መኪና ዕጽው ዝኾነሎም ዕለታት እነሆ፥ (ክልወጡ ይኽእል እዮም)
- ምሸት ዓርቢ፣ ጥቅምቲ/ኦክተበር 11, 2024 ክሳብ ሰኑይ ንጉሆ፣ ጥቅምቲ/ኦክተበር 14, 2024
- ምሸት ዓርቢ፣ ጥቅምቲ/ኦክተበር 18, 2024 ክሳብ ሰኑይ ንጉሆ፣ ጥቅምቲ/ኦክተበር 21, 2024
ገለ መስመራት መጓዓዚያ ምዕጻው ወትሩ ዓርቢ ምሸት ሰዓት 7 ድ ቀ (PM) ይጅምር፣ ሰዓት 10 ምሸት (PM) ድማ እቲ ድልድል ምሉእ ብምሉእ ዕጽው ክኸውን እዩ። እቲ ድልድል ኣብ’ታ ቀጺላ ትመጽእ ሰኑይ ከባቢ ሰዓት 5 ንግሆ (AM) ክኽፈት ትጽቢት ይግበር።
ብኽብረትኩም ነዚ ዘክሩ፡ እዞም ዕለታትን ሰዓታትን ኣብ’ቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ኩነታት ከባቢ ኣየር፣ ህላወ ጉጅለታትናን ናውቲን፣ ወይ ድማ ካልኦት ኩነታት መሰረት ብምግባር ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም። ቀጻሊ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ናይ ኢሜይል እዋናዊ ሓበሬታታት ተመዝገብ።
ኣብ‘ቲ እቲ ድልድል ዝዕጸወሉ ግዜ ምንቅስቓስ
ኣጋራትን ናይ ብሽክለታ ተጠቀምቲን
- ድልድል ባላራድ ንተሽከርከርቲ ዕጽው ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ኣጋራትን ብብሽክለታ ዝጥቀሙን ሰባት ግን ነቲ ድልድል ተጠቒሞም ክጎዓዙ ክኽእሉ ትጽቢት ንገብር።
- እዚ ድማ ንናይ ውሑስነት ምኽኒያታት ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ን ሓደ ኣንፈት መገዲ ኣጋራትን ብሽክለታ ዝጥቀሙ ሰባትን ምዕጻው ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል።
- ሰባት ሓደ ሓደ ግዜ ን ናይ ውሕስነት ምኽንያታት ክበሃል ካብ ብሽክለታኦም ክወርዱን ብሽግለትኦም እንዳደፍኡ ብእግሮም ክኸዱን እውን ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም።
ገናሕቲ መኪናን ጽዕነትን
- እቲ መባእታዊን፣ ኣዝዩ ዘተኣማምንን ኣማራጺ መገዲ ንገናሕቲ መኪና ድልድል ኣውሮራ (SR 99) እዩ።
- ካብ’ዚ ብተወሳኺ ገናሕቲ መኪና ነቲ ናይ መርከብ ካናል ንምቁራጽ ን University Bridge (ድልድል ዩኒቨርሲቲ) ወይ I-5 ከም ኣማራጺ መገዲ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።
- ድልድል ፍሬሞንት ክፉት ክኸውን እዩ ግን ብሰንኪ እቲ ዝህሉ ድሩት ዓቕሙ፣ ገናሕቲ መካይን ካልኦት መስመራት ምጥቃም ኣብ ግምት ከእትዉ ንመክር።
- ኣብ’ዞም እቲ ድልድል ዕጹው ዝኾነሎም ዕለታት፡ እቶም ዝተጠቅዑ ኣማራጺ መገዲ ዝሕብሩ ምልክታት፡ ገናሕቲ መካይን ኣማረጽቲ መስመራት ተጠቒሞም ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ዝሕግዙ እዮም። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ገናሕቲ መካይን እንተተኻኢሉ ኣብ ከባቢ ድልድል ባላርድ ቅድሚ ምብጽሖም ናብ ካልእ መስመራት ክጥወዩ ንላቦ።
ዕጽዋ ዘመልክት ካርታ
ናይ‘ቶም ኣብ ቀረባ እዋን ድልድል ባላርድ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ዝዕጸወሎም ቦታታት ዘርኢ ካርታ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT)
ተጠቀምቲ ትራንዚት
- እተን ቅድም ክብል ንድልድል ባላርድ ዝጥቀማ ዝነበራ ኣውቶቡሳት ናብ ድልድል ፍሬሞንት ክቕየራ ብምዃነን፣ ንነዋሕቲ ናይ ኣውቶቡስ ጉዕዞታት ኣቐዲምካ መደብ ግበር።
- ገለ እተን ኣብ ጥቓ ድልድል ባላርድ ዝርከባ ጣብያታት ኣውቶቡሳት፣ ነቲ ምዕጻው ንምድጋፍ ክበሃል ንግዚኡ ናብ ካሊእ ባታ ክቕየራ ይኽእላ እየን።
- ብዛዕባ እቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከብ ኣገልግሎት ትራንዚት ቀጻሊ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ን ናይ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ምኽሪታት ኣገልግሎት ብምስዓብ ኣብ’ቲ ናይ ተጠቀምቲ ትራንዚት መጠንቀቕታት ተመዝገብ።
ተጠቀምቲ ጃልባ
- ጃልባታት ኣብ ትሕቲ ድልድል ባላርድ ሕጂ’ዉን ክሓልፋ ይኽእላ እየን።
ካልኦት ኣማራጺታት መጓዓዚያ
እቲ ድልድል ዕጹው ኮይኑ ኣብ ዝጸንሓሎም ግዜያት፣ ጉዕዞኻ ንምግባር ነዞም ዝስዕቡ ኣማራጺታት ኣብ ግምት ኣእትው። እቶም ኣብ ከባቢ ባላርድ ዝርከባ ንግዳዊ ትካላት እውን ኣብ’ቲ ህንጸት ዝካየደሉ እዋን ክፉታት ክኾና እየን፣ በዚ ድማ ናብ’ዘን ንግዳዊ ትካላት ብምኻድ ዕዳጋ ክተገብር ትኽእል ኢኻ። ዝተወሰና ናይ መጓዓዚያ ኣማራጺታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ኣለዋ፡
- ኣውቶቡስ: ንቐጻሊ ጉዕዞኻ መደብ ንምሓዝ ነቲ ናይ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ መርበብ ሓበሬታ መዳለዊ መደብ ጉዕዞ ብጻሕ። ነቲ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ዚህቦ ኣገልግሎት ምኽሪ ክትስዕብን ኣብ’ቶም ናይ ትራንዚት መጠንቀቕታታት ክትምዝገብን ትኽእል ኢኻ።
- ብሽክለታ: ናይ ብሽግለታ ጉዕዞኻ መደብ ንምውጻእ ነቲ ናይ ከተማ ሴያትል ካርታ ብሽክለታ ተጠቐም ወይ ነቲ Seattle By Bike ዝተሰመየ ናይ መምርሒ መጽሓፍና ተወከስ።
- ብሽክለታን ስኩተርን ብሓባር ምጥቃም: ነቲ How to Use Scooter and Bike Share web page ዝብል ገጽ መርበብ ሓበሬታና ብጻሕ ።
- ብ እግሪ ምጉዓዝን ሮል ምግባርን: እዚአን ኣብ’ቲ ትበጽሓሉ ቦታ መሰረት ብምግባር፣ ንዝግበራ ሓጸርቲ ጉዕዞታት ዝኾና ጽቡቓት ኣማረጽቲታት እየን።
- Flip your trip: ክትንቀሳቐሰሎም ትኽእለሎም ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ን Flip Your Trip – Seattle Traffic ብጻሕ።
- RideshareOnline: እንተደኣ ግድን መኪና ክትገንሕ ዘለካ ኮይኑ፣ ንመኪና ብታራ ብሓባር ምጥቃም ኣብ ግምት ውሽጢ ኣእቱ። ናይ መኪና ብሓባር ምጥቃም (carpool ን vanpool) ኣማራጺታት ንምርካብ፣ ነቲ ንዋሺንግተንን ኦሪገንን ኣገልግሎት ዝህብ RideshareOnline ብጻሕ።
ነቲ ድልድል ስለምንታይ ግድን ክንዓጽዎ ከምዘለና
ኣቐዲምካ ብዝካየዱ ስራሕቲ ጽገናታትን ዕቀባን ኣቢልና ነቶም ድልድላትና ክንከናኸን ኣለና፣ ብፍላይ ድማ ከም ድልድል ባላርድ ዝበሉ ልዕሊ ምኢቲ ዓመት ዘቑጸሩ ተንቀሳቐስቲ ድልድላት። ኣብ 16 ዝተፈላለዩ ናይ ድልድል መናውሒ መላግቦታት ዘጠቓለለ ነዊሕ ክፋል ድልድል ባላርድ ክንሰርሕ ከለና ምሉእ ብምሉእ ምዕጻዋት ኣድልየቲ እዮም።
ናይ መናውሒ መላግቦታት ምንቅስቓስ ድልድልን ለውጢ ሙቐትን ንምትእንጋድ ተባሂሎም ዝተዳለዉ እዮም። ኣብ እዋን ጽንኩር ኩነታት ኣየር ወይ ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ መሬትን እቲ ድልድል ከይጉዳእ ይሕግዙ።
ነተን ናይ መናውሒ መላግቦታት ንምትካእ ኣብ ጎኒ እዘን መላግቦታት ዘሎ ኮንክሪት ምእላይ የድሊ። ሰራሕተኛታት ህንጸት ኣብ ዙርያ እተን መላግቦታት ዘሎ ኮንክሪት ኣወጊዶም፣ ንኩነታት እቶም ደገፍቲ ሓጺናዊ ምድሪቤታትን ነቲ ኮንክሪት ዘጣናኽሩ ሓጻዊንን ክምርምሩ እዮም፣ ድሕሪኡ ዝኾነ ዝተበላሸወ ክፋላት ናይቶም ደገፍቲ ሓጺን ክቕይርዎ እዮም። ብድሕሪኡ ነተን ሓደስቲ ናይ መናውሒ መላግቦታት ብምትካል ኣብ ዙርያአን ሓድሽ ኮንክሪት ከፍስሱ እዮም። ቅድሚ እቲ መንገዲ ንተሽከርከርቲ ክፉት ምዃኑ፣ እቲ ኮንክሪት እንተወሓደ ንኽሓዊ (ንኽተርር) 24 ሰዓታት የድልዮ ኢዩ።
ካልኦት ኣብ ቀራባ ዝርከባ ፕሮጀክትታት
ኣብ ጉዕዞታት ዝህልዉ ጽልዋታት ንምንካይ ምስ ካልኦት ሓያሎ ፕሮጀክትታት ናይ’ቲ ከባቢ ብቐረባ ኮይንና ንወሃሃድ ኣለና።
ብዛዕባ ሕድሕድ ፕሮጀክት ቀጻሊ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፣ ብኽብረትካ ነተን ኣብ ታሕቲ ዝተቐመጣ መላግቦታት/ሊንክታት ተጠቐም፡
- መስመር መጓዓዚያ 40 ትራንዚት መልቲ ሞዳል ኮሪደር
- ፕሮጀክት RapidRide J Line
- ፕሮጀክትታት ድልድል ስይስሚክ ሪትሮፊት
- Ship Canal Water Quality Project (ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሴያትል))
- Revive I-5 (WSDOT)
ሰሌዳ ግዜ ፕሮጀክት
ህንፀት 15th Ave W/NW & Ballard Bridge Paving & Safety Projectን Leary Way Bridge Seismic Retrofit Projectን ኣብ ሓምለ 2024 ዝተጀመረ ኾይኑ ኣብ 2025 እዉን ክቕፅል መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።
መጠቓለሊ ኣብ‘ዛ ኽረምቲ/ሳመር ዝተሰርሓ ስራሕቲ ዝምልከት
ጉጅለ ህንጸትና ነቲ ናይ መባእታዊ ዳግመ ምጽጋን ድልድል ባላርድ ንምዝዛም ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ። እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ናይ’ዚ መስርሕ እዚ፡ ነቲ ካብቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ዝኸፍአ ኩነታት ዝነበረ ኣረጊት ኣስፋልት ምእላይ እዩ ነይሩ – እቲ ፈራሪሱ ዝነበረ ጽርግያ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ተጠቒምካ ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪ እቲ ኣረጊት ኣስፋልት ምጽራጉ፡ ሰራሕተኛታት ህንጸት ልሙጽ ንጣብ ሓድሽ ኣስፋልት ኣፍሲሶም ነቲ ኣብቲ ድልድል ዝነበረ ሕንጻጻት ጽርግያ መስመር ዳግማይ ቀለም ቀለምዎ።
እቲ ጕጅለ ህንጸት ካብ መስቀላዊ መገዲ 15th Ave NW and NW 56th St. ጀሚሮም መገዲ ኣጋር ከመሓይሹ ጸኒሖም እዮም፣ ጉጅለታት ስራሕ ናብ ደቡብ ገጾም ናብ ድልድል ባላርድ ብምኻድ፣ ኮንክሪት ተኪኦም፣ ኣብ ዙርያ ኦም/ገረብ ዘለዉ ጐዳጕዲ ብምምሕያሽ፣ ከምኡውን ኣንፈት ዚሕብር ምልክት ብምልካይ ሰሪሖም።
ኣብ እዋን እቲ ፍጻመ፡: ——————————–ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡
ክልተ ስእልታት ናይ ሓደ ክፋል ናይ እግረኛ መንገዲ ኣብ 15th Ave NW ኣብ እዋንን ድሕሪን ምትካእ ናይ እግረኛ መንገዲ ኮንክሪት። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል
እዋናዊ ሓበሬታታት ቀጻሊ ርኸብ
- ናብቲ ናይ ፕሮጀክትና መርበብ ሓበሬታ ብጻሕ
- ብኢመይል እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ተመዝገብ
- ነቶም ናይ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ናይ ኣገልግሎት መምርሒታት ሰዓቡዎም፣ ከምኡድማ ነቶም ን ትራንዚት ዝምልከቱ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታት ንምርካብ ተመዝገቡ
- ናብ ጉጅለ ፕሮጀትክ በዚ ዝስዕብ ተጠቒምካ ኢሜይል ለኣኽ: 15thAveW_NWpaving@Seattle.gov
- ነቲ ጉጅለ ፕሮጀክት ንምርካብ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ስልኪ ተቒምካ ደውል: 206-512-3950 (ብኽብረትካ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ግደፈልና፣ ንጻውዒትካ ክንምለሶ ኢና)