Find Posts By Topic

ቀለልቲን ስሉጣትን ዝኾኑ ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት ናብ Rainier Ave S ኣብ ምምጻአ ይርከቡ

ኣብ እዚ ስእሊ ናይ ፖርትላንድ መስቀላዊ መንገዲ ኣብ ታሕቲ የማናይ ኩርናዕ ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት ይረኣዩ ኣለዉ።. ናይ ስእሊ ክሬዲት፡ ከተማ ፖርትላንድ

ከም ኣካል ኣብ 2030 ብሓደጋ ትራፊክ ዝበጽሕ ሞትን ከቢድ ጉድኣትን ዜሮ ናይ ምግባር ራኢና፣ ኣብ መላአ Rainier Ave S ሓደሽቲ ዝኾኑ “ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት” ኣብ ብዙሕ መስቀላዊ መንገዲታት ክንተክል ኢና።

ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት ማለት ካብ ናይ እግረኛ መሰጋገሪ ቀጺሎም ዝርከቡ ኣናእሽተይ ናይ ጎማ ሓጹራት ኮይኖም ናይ መኪና ገናሕቲ ንጸጋም ክዕጸፉ እንከለዉ ጋድም እንተይኮነ ዝያዳ ትርብዒት ቅርጺ ሒዞም ናህሮም ኣትሒቶም ንክዕጸፉ ዝገብሩ እዮም። ኣብ ካልኦት ከተማታት፣ እዚ ንእሽተይ ለውጢ ኣብ ናይ እግረኛ መሰጋገሪ መስመራት ዝህሉ ናይ ተሽከርከርቲ ናህሪ ብምቕናስ ናይ እቶም ኣብ ናይ እግረኛ መሰጋገሪ ዘለዉ እግረኛታት ውሕስነት ዘመሓየሸ እዩ። (ተወሳኺ ኣብ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጽና ኣንብብ)

ናይ ስእሊ መግለጺ፡ ቅድምን ድሕሪ ስእሊ ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣርባዕተ ሸነኽ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ኣብ ልዕሌኡ ድማ መንገዲ ዝሰግር እግረኛ ሰብን ሓንቲ ንጸጋም ትዕጸፍ መኪናን። እቲ ቅድሚ ተባሂሉ ዝተገለጸ ስእሊ፣ ሓደ ናይ መኪና ገናሒ እቲ ተሪር ናይ ማእኸል መስመር ሓጹር ኣብ ዘየለወሉ በቲ ማእኸል ናይ መስቀላዊ መንገዲ ኣቢሉ ኩርናዓዊ ዝኾነ ምዕጻፍ እንተካይድ ዘርኢ እዩ። እቲ ድሕሪ ተባሂሉ ዝተገለጸ ስእሊ እቲ ናይ መኪና ገናሒ ነቶም ዝተተኸሉ ተረርቲ ናይ ማእኸል መሰመር ሓጹራት ንዘይ ምንካእ ማእዘናዊ ዝኾነ ምዕጻፍ እንተካይድ ዘርእይ እዩ።
ናይ ስእሊ መግለጺ፡ ቅድምን ድሕሪ ስእሊ ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣርባዕተ ሸነኽ ዘለዎ መስቀላዊ መንገዲ ኣብ ልዕሌኡ ድማ መንገዲ ዝሰግር እግረኛ ሰብን ሓንቲ ንጸጋም ትዕጸፍ መኪናን። እቲ ቅድሚ ተባሂሉ ዝተገለጸ ስእሊ፣ ሓደ ናይ መኪና ገናሒ እቲ ተሪር ናይ ማእኸል መስመር ሓጹር ኣብ ዘየለወሉ በቲ ማእኸል ናይ መስቀላዊ መንገዲ ኣቢሉ ኩርናዓዊ ዝኾነ ምዕጻፍ እንተካይድ ዘርኢ እዩ። እቲ ድሕሪ ተባሂሉ ዝተገለጸ ስእሊ እቲ ናይ መኪና ገናሒ ነቶም ዝተተኸሉ ተረርቲ ናይ ማእኸል መሰመር ሓጹራት ንዘይ ምንካእ ማእዘናዊ ዝኾነ ምዕጻፍ እንተካይድ ዘርእይ እዩ።

እዚ ኣበይ እዩ ክኸውን?

ነቶም ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት ኣበይ ክንገብር ከምዘለና እብ እንሓስበሉ ግዜ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተናዮም ዝተወሰኑ ነገራት ኣብ ታሕቲ ተገሊጾም ኣለዉ።

  • ናይ እግረኛ ተጎዓዝቲ ጉድኣትን ሞትን ታሪኽ
  • ናብ ጸጋም ንክትጥወ ነተን ብድሕሬኻ ዝመጻ መጉዓዝያ (መኻይን) ከይዓገትካ ትጥወየሉ ናይ ትራፊክ ምልክት ዘይብሎም መስቀላዊ መንገዲታት (እዚ ማለት፣ ናይ መኪና ገናሕቲ ንቕድሚት ንክቕጽሉ ቆጽለዋይ መብራህቲ ክበርሃሎም እንከሎ ናይ እግሪ ተጉዓዝቲ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናይ መንገዲ ምስጋር ዝፈቅድ ምልክት ይወሃቦም)
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ወይ ካብ ማእከል መጉዓዝያ ኣብ ናይ ¼ ማይል ርሕቐት ዘለዉ መስቀላዊ መንገዲታት
  •   ትሑት ኣታዊታት ዘለዎም ከምኡ’ውን ብቐንዱ መጉዓዝያ ኣውቶቡስ ዝጥቀሙን ነበርቲ ዝርከቡዎም ቦታታት 

ኣብ መድረኽ 1 ኣብ መላእ Rainier Ave S ዝርከቡ ኣርባዕተ መስቀላዊ መንገዲታት ክንሰርሕ ኢና እዚ ኣብ 2021 ዝካየድ ምህናጽ ኮይኑ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ኣብ መድረኽ 2 ኣብ 2022 ክስርሑ እዮም። እዚ ዝስዕብ ካርታ ኣብ መላእ Rainier Ave S ኣብ መድራኽ 1 ዝሽፈኑ ቦታታት ብሰማያዊ ሕብሪ እቶም ኣብ መድረኽ 2 ዝሽፈኑ ቦታታት ድማ ብርቱኻን ሕብሪ ገይሩ ዘርእይ እዩ።

ናይ ስእሊ መግለጺ፡ ናይ ደቡባዊ ሲያትል ካርታ፣ ን Rainier Avenue S ሓዊሱ፡ ኣብ መላእ Rainier Avenue S ኣብ መድረኽ 1 ዝስርሑ ኣርባዕተ መስቀላዊ መንገዲታትን ከምኡ’ውን ካልኦት 10 መስቀላዊ መንገዲታት ድማ ኣብ መድረኽ 2 ዝስርሑ። እቶም ዝተመረጹ መስቀላዊ መንገዲታት ካብ S Massachusetts St ንታሕቲ ክሳብ ጎደና S Othello St ዝኸይድ እዩ።

ኣብ’ዞም ዝስዕቡ መስቀላዊ መንገዲታት ተረርቲ ናይ ማእኸል መንገዲ መስመር ሓጹራት ክንተክል ትልሚ ኣውጺእና ኣለና፡

መድረኽ 1

  • Rainier Ave S & S Massachusetts St
  • Rainier Ave S & S Andover St
  • S FerRainier Ave S & S Massachusetts St 
  • Rainier Ave S & S Charlestown St 
  • Rainier Ave S & S Edmunds St 
  • Rainier Ave S & S Graham St 

መድረኽ 2

  • Rainier Ave S & S Bayview St 
  • Rainier Ave S & S Walden St 
  • Rainier Ave S & S Andover St 
  • Rainier Ave S & S Genesee St
  • Rainier Ave S & S Alaska St
  • Rainier Ave S & S Ferdinand St 
  • Rainier Ave S & S Hudson St 
  • Rainier Ave S & S Orcas St 
  • Rainier Ave S & S Holly St 
  • Rainier Ave S & S Othello St 

እዚ ኣብ’ዞም ቀረባ ዓመታት ኣብ መላእ Rainier Ave S ካብ ዘበገስናዮም ፕሮጀክትታት እቲ ሓደ እዩ። ከም ኣካል እቲ ነቶም ኣብ’ዚ ጻዕቒ ምንቅስቓስ ዘለዎ ኮሪደር እዚ ዝስጉሙ፣ ዝሽክርከሩ፣ ሳይክል ዝዝውሩ፣ መኪና ዝገንሑን ህዝባዊ መጉዓዝያ ዝጥቀሙን ሰባት ኩሎም ካብ ሓደጋ ነጻ ክኾኑ ዝጠልብ ናይ ራኢይ ዜሮ መደብና ዝተፈላለዩ ናይ ውሕስነት ምምሕያሻት ዛዚምና ንርከብ።

ኣብ 2015: ኣብ መንጎ S Alaska St ን S Kenny St ሓደ ማይል ዝኸውን ካብ 4 ክሳብ 3 መስመራት መንገዲ ዘለዎ (lanes) ራይነር መሊስና ኣማሕይሽና ንድፊ ኣዳሊና ኢና። እዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ከተማ ኮለምቢያን ከተማ ሂልማንን ዝርከብ Rainier Ave S ዘሎ ውሑስነት ዕውት ብዝኾነ መንገዲ ዘመሓየሸ እዩ። ኣብ’ቶም ዘመዝገብናዮም ዓወታት ብምቕጻል ነቲ ኣብ መንጎ ከተማ ሂልማንን ናይ ራይነር ወሰን ባሕሪን ነቲ ካልኣይ መድረኽ ፕሮጀክትና ኣብ 2017 ጀሚርናዮ።  ኣብ 2019: ኣብቲ ቦታ ኣብ መስቀላዊ መንግዲታት ምምሓያሻት ብምግባር፣ ኣብ ዝተመረጹ ቦታታት ድማ ናይ ኣውቶቡስ መስመራት ወሲኽና ኢና። ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት፣ ናይ ማሕበረሰባዊ መሰጋገሪታት ሓዊሱ: ኣብ ዝተፈላለዩ ተወሰኽቲ መስቀላዊ መንገዲታት ምምሕያሻት ኣካይድና ኢና ብተወሳኺ ድማ ካብ S Kenny St ናብ S Henderson St ዝኸይድ ንድፊ ሓድሽ መንገዲ ኣዳሊና ወዲእና ኣለና።

 ቀጺሉ እንታይ እዩ ክኸውን? ኣብ’ተን ቀጺለን ዘለዋ ብዙሓት ኣዋርሕ ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት ክንተክል ኢና። ሽቶና ኣብ መላእ Rainier Ave S ኣብ ዝርከቡ ኩሎም ቦታታት ክሳብ መፈለምታ ጽድያ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ምትካል ስራሕትና ምጽፋፍ እዩ።

ኣብ እትስጉመሉ፣ እትሽክርከረሉ፣ ሳይክል ኣብ እትዝውረሉ ወይ ኣብ መኪና ኣብ እትገንሓሉ ግዜ፡ ኣብ መላእ Rainier Ave S ዝተኸልናየን ሓደስቲ ተረርቲ ናይ ማእኸል መስመር ሓጹራት ተዓዘብ!