Please note: to return to the English version of this blog post, please click here.

መጠቓለሊ፡
- ኣብ’ዚ ቐረባ ግዜ ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ብምትሕብባር ኣብ’ቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መንገዲ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ኣብ መንጎ ሳውዝ ኣላስካ ስትሪትን ሳውዝ ዋልደን ስተሪትን፣ ከምኡድማ ንደቡብ ገጹ ዝወስድ ኣብ’ቶም ኣብ ረይኔር ቫሊ ዝርከቡ ኣብ መንጎ ሳውዝ ኦሬጎን ስትሪትን ኣብ ሳውዝ አድመንድ ስትሪትን መገድታት ኣውቶቡስ ሰሪሕና ኣለና።
- ሕጂ ነቲ መንገዲታት ኣውቶቡስ ንምንዋሕ ክልተ ኣማራፂታት ንግምግም ኣለና። እዚ ምንዋሕ እዚ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ንሰሜን ሸነኽ ኣብ መንጎ ሳውዝ ዋልደን ስትሪትን ሳውዝ ግራንድ ስትሪትን እዩ ክኸውን።
- ብኽብረትካ ነቲናትና መፅናዕቲ ክሳብ ሕዳር 13 ኣብ ዘሎ ግዜ ውሰዶ። ኣብ’ቶም ዝቐረቡ ክልተ ኣማራፂታት ብኸመይ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ከም እትጐዓዝ ከምኡ’ውን ነቲ ጉዕዞ ትራንዚት ዘለካ ተሞክሮ ከመይ ጌርና ብዝያዳ ከም እነመሓይሾ ኣመልኪትካ ርኢቶኻ ሃበና።
- ጥቅምቲ 25 ኣብ ዝግበር ቨርቹዋል ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ምዕራፍ 2 ናይ’ቲ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ዝርከብ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራይ መንገዲ ኣማራጺታት ክነቕርብ ኢና። ዝርዝር ሓበሬታ ናይ’ቲ ኣኼባ ኣብ ድሕረ ገፅና ክወፅእ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ ቅዳሕ ኣብ ድሕረ ገፅ ናይ’ቲ ፕሮጀክትና ክንልጥፎ ኢና።
ኣብ መጀመርታ እዚ ኽረምቲ (ሳመር) እዚ ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ብምትሕብባር ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ሓዱሽ ናይ ኣውቶቡስ–ጥራይ መንገዲታት ኣብ ረይኒየር ኣቨኑ ሳዉዝ ሃኒጽና ኣለና።
እዚ ኸኣ ካብ ሳውዝ ኣላስካን ስትሪት ናብ ሳውዝ ዋልደን ስትሪት ናብ ሰሜን ገፁ ዝወስድ መገድታት ኣውቶቡስ ከምኡ’ውን ካብ ሳዉዝ ኦሬገን ስትሪት ናብ ሳውዝ አድመንድስ ስትሪት ናብ ደቡብ ገፅ ዝወስድ መገድታት ኣውቶቡስ ዘጠቓልል እዩ። ነዚ ለውጢ እዚ ኻብ እንፍጽሞ ንነጀው ንግዜ ጕዕዞ ትራፊክን ኣውቶቡስን ክንቆፃፀሮ ፀኒሕና ኢና። ኣብ’ተን ዝመፅኣ ኣዋርሕ ሓበሬታ ምእካብና ክንቅጽል ኢና። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ናይ ኣውቶቡሳት ጉዕዞ ናይ መገሻ ግዜ ቁጠባ ንዕዘብ ኣለና።

ኣብ’ዚ እዋን እዚ ነተን ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዘለዋ ናይ ኣውቶቡስ መንገድታት ናብ ሰሜን፡ ኣብ መንጎ ሳውዝ ዋልደን ስትሪትን ሳዉዝ ግራንድ ስትሪትን ንምንዋሕ ክልተ ኣማራጺታት ንግምግም ኣለና።
ምሉእ ብምሉእ ምስተሰርሐ፡ ናይ ኣውቶቡስ ተጎዓዝቲ ንጉሆ ፅዑቕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ክጓዓዙ ከለዉ 5 ደቒቕ ዝኣክል ክቑጥቡ ኢና ንፅበ።
በቲ ማሕበረሰብ ዚህቦ ርእይቶ ተመርኲስና ተጠላቢ ዝኾነ ኣማራፂ ንኽንመርፅ ክትሕግዘና ኢና እንሓተካ ዘለና።
ዘለካ ርኢቶ ከተካፍለና፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ብኸመይ ከም እትጐዓዝ ክትነግረና፣ ከምኡ’ውን ነቲ ተሞክሮት ትራንዚት ምጥቃም ብኸመይ ከነመሓይሾ ከም እትደሊ ሓሳባትካ ኣካፍለና። ብኽብረትካ ክሳብ ሕዳር 13 ዳህሳሳዊ መፅናዕቲና ውሰድ።
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብቲ ኣብ’ቲ 25 ጥቅምቲ ዚግበር ቨርቹዋል ህዝባዊ ኣኼባ እዉን ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ። ዝርዝር ሓበሬታ ኣኼባ ኣብ ኣብ ድሕረ ገፅና ክርከብ እዩ። እቲ ኣኼባ ቀዲሕና ነቲ ቅዳሕ ኣብ ድሕረ ገፅና ክንልጥፎ ኢና።
ኣብ ታሕቲ ናይ’ቶም ክልተ ኣማራፂታት ሓፂር መጠቓለሊ ኣሎ።
ብዛዕባ ጥቕምን ርእይቶን ነፍሲ ወከፍ ኣማራፂ ኣብ ድሕረ ገፅና ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ኣማራጺ 1
ኣብ’ዚ ኣማራፂ እዚ ሓደ ካብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት ናብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሰሜን ገፅ ዝወስድ መስመር ናብ ናይ ኣውቶቡስ መስመር ክንቅይሮ ኢና።
ካብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት (ናብ ሰሜን ገጽ ዝጥምት)

ኣማራጺ 2
ልክዕ ከም ኣማራጺ 1፣ ኣብ’ዚ ኣማራጺ እዚ ነቲ ካብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት ናብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መገዲ ናብ ናይ ኣውቶቡስ መስመር ምቐየርናዮ ማለት እዩ።
ነቲ ኣብ መንጎ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪትን ሳዉዝ ኮለጅ ስትሪት ዘሎ ናይ ማእከል መዕፀፊ መስመር ኣወጊድና ናብ ሰሜን ገጹ ዝኸይድ ኽልተ መገድታት (ዳርጋ 5 ብሎካት) ምሃለወና።
ካብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሳዉዝ ኮለጅ ስትሪት (ናብ ሰሜን ዝጥምት)

ካብ ሳዉዝ ኮለጅ ስትሪት ናብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት (ናብ ሰሜን ዝጥምት)

ቀጸልቲ ስጕምትታት
ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕናዮ ነገራትን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምዕራፍ ክልተ እቲ ፕሮጀከት ቀጺሎም ዘለዉ ስጕምትታት ዝያዳ ሓበሬታ ክነካፍል ኢና። ንድፊ ፕሮጀክት ክሳዕ 2023 ክቕጽል እዩ፣ ህንፀት ድማ ካብ 2024 ኣትሒዙ ክጅምር ይኽእል እዩ።
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ
- ድሕረ ገፅ፡ ነቲ ብብዙሓት ቋንቋታት ዝተዳለወ ናይ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ናይ ኣውቶቡስ -ጥራይ ፕሮጀክት ድሕረ ገፅ ተወከስ
- እዋናዊ ሓበሬታታት ኢ–መይል፡ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ዝገልጽ ስሩዕ እዋናዊ ሓበሬታ ኢ-መይል ንምርካብ ተመዝገብ
- ኢ–መይል ግበረልና፡TransitLanes@seattle.gov
- ናይ ድምጺ መልእኽቲ፡ ናይ ድምጺ መልእኽቲ በቲ እትመርጾ ቛንቋ ኣቐምጥ እሞ መሊስና ኽንድውለልካ ኢና፡ 206-257-2201
ስለ’ቲ ኣብ’ዚ ፕሮጀክት እዚ ዘሕለፍካዮ ግዜን ተገዳስነትን ነመስግን!