Find Posts By Topic

ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ናይ ኣውቶቡስ መስመራት መጎዓዚያ ዝምልከት ቀጺሉ ዝመጽእ ስራሕ አንታይ ኣሎ? ነቲ ዘዳለናዮ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ብምውሳድ ዝያዳ ሓበሬታ ርኸብ!


Please note: to return to the English version of this blog post, please click here.


ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዝተሃነፀ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መስመር መጉዓዝያ። ስእሊ፡ ናይ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ሰራሕተኛታት
ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዝተሃነፀ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራሕ መስመር መጉዓዝያ። ስእሊ፡ ናይ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ሰራሕተኛታት

መጠቓለሊ፡

  • ኣብ’ዚ ቐረባ ግዜ ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ብምትሕብባር ኣብ’ቲ ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መንገዲ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ኣብ መንጎ ሳውዝ ኣላስካ ስትሪትን ሳውዝ ዋልደን ስተሪትን፣ ከምኡድማ ንደቡብ ገጹ ዝወስድ ኣብ’ቶም ኣብ ረይኔር ቫሊ ዝርከቡ ኣብ መንጎ ሳውዝ ኦሬጎን ስትሪትን ኣብ ሳውዝ አድመንድ ስትሪትን መገድታት ኣውቶቡስ ሰሪሕና ኣለና።
  • ሕጂ ነቲ መንገዲታት ኣውቶቡስ ንምንዋሕ ክልተ ኣማራፂታት ንግምግም ኣለና። እዚ ምንዋሕ እዚ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ንሰሜን ሸነኽ ኣብ መንጎ ሳውዝ ዋልደን ስትሪትን ሳውዝ ግራንድ ስትሪትን እዩ ክኸውን።
  • ብኽብረትካ ነቲናትና መፅናዕቲ ክሳብ ሕዳር 13 ኣብ ዘሎ ግዜ ውሰዶ። ኣብ’ቶም ዝቐረቡ ክልተ ኣማራፂታት ብኸመይ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ከም እትጐዓዝ ከምኡ’ውን ነቲ ጉዕዞ ትራንዚት ዘለካ ተሞክሮ ከመይ ጌርና ብዝያዳ ከም እነመሓይሾ ኣመልኪትካ ርኢቶኻ ሃበና።    
  • ጥቅምቲ 25 ኣብ ዝግበር ቨርቹዋል ዝኾነ ህዝባዊ ኣኼባ ምዕራፍ 2 ናይ’ቲ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳዉዝ ዝርከብ ናይ ኣውቶቡስ-ጥራይ መንገዲ ኣማራጺታት ክነቕርብ ኢና። ዝርዝር ሓበሬታ ናይ’ቲ ኣኼባ ኣብ ድሕረ ገፅና ክወፅእ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ እቲ ቅዳሕ ኣብ ድሕረ ገፅ ናይ’ቲ ፕሮጀክትና ክንልጥፎ ኢና።

ኣብ መጀመርታ እዚ ኽረምቲ (ሳመር) እዚ ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ብምትሕብባር ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ሓዱሽ ናይ ኣውቶቡስጥራይ መንገዲታት ኣብ ረይኒየር ኣቨኑ ሳዉዝ ሃኒጽና ኣለና።

እዚ ኸኣ ካብ ሳውዝ ኣላስካን ስትሪት ናብ ሳውዝ ዋልደን ስትሪት ናብ ሰሜን ገፁ ዝወስድ መገድታት ኣውቶቡስ ከምኡ’ውን ካብ ሳዉዝ ኦሬገን ስትሪት ናብ ሳውዝ አድመንድስ ስትሪት ናብ ደቡብ ገፅ ዝወስድ መገድታት ኣውቶቡስ ዘጠቓልል እዩ። ነዚ ለውጢ እዚ ኻብ እንፍጽሞ ንነጀው ንግዜ ጕዕዞ ትራፊክን ኣውቶቡስን ክንቆፃፀሮ ፀኒሕና ኢና።  ኣብ’ተን ዝመፅኣ ኣዋርሕ ሓበሬታ ምእካብና ክንቅጽል ኢና። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ናይ ኣውቶቡሳት ጉዕዞ ናይ መገሻ ግዜ ቁጠባ ንዕዘብ ኣለና።

ካርታ ናይ’ተን ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዘለዋ ሓደስቲ ናይ ኣውቶቡት መስመራት፡ ኣብ ክልተ ምዕራፋት። እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ’ዚ ክረምቲ እዚ መጀመርያ እዩ ተተኺሉ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል
ካርታ ናይ’ተን ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዘለዋ ሓደስቲ ናይ ኣውቶቡት መስመራት፡ ኣብ ክልተ ምዕራፋት። እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ኣብ’ዚ ክረምቲ እዚ መጀመርያ እዩ ተተኺሉ። ስእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል

ኣብ እዋን እዚ ነተን ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ዘለዋ ናይ ኣውቶቡስ መንገድታት ናብ ሰሜን፡ ኣብ መንጎ ሳውዝ ዋልደን ስትሪትን ሳዉዝ ግራንድ ስትሪትን ንምንዋሕ ክልተ ኣማራጺታት ንግምግም ኣለና።

ምሉእ ብምሉእ ምስተሰርሐ፡ ናይ ኣውቶቡስ ተጎዓዝቲ ንጉሆ ፅዑቕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ክጓዓዙ ከለዉ 5 ደቒቕ ዝኣክል ክቑጥቡ ኢና ንፅበ።

በቲ ማሕበረሰብ ዚህቦ ርእይቶ ተመርኲስና ተጠላቢ ዝኾነ ኣማራፂ ንኽንመርፅ ክትሕግዘና ኢና እንሓተካ ዘለና።

ዘለካ ርኢቶ ከተካፍለና፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ብኸመይ ከም እትጐዓዝ ክትነግረና፣ ከምኡ’ውን ነቲ ተሞክሮት ትራንዚት ምጥቃም ብኸመይ ከነመሓይሾ ከም እትደሊ ሓሳባትካ ኣካፍለና። ብኽብረትካ ክሳብ ሕዳር 13 ዳህሳሳዊ መፅናዕቲና ውሰድ

ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብቲ ኣብ’ቲ 25 ጥቅምቲ ዚግበር ቨርቹዋል ህዝባዊ ኣኼባ እዉን ኽትካፈል ትኽእል ኢኻ። ዝርዝር ሓበሬታ ኣኼባ ኣብ ኣብ ድሕረ ገፅና ክርከብ እዩ። እቲ ኣኼባ ቀዲሕና ነቲ ቅዳሕ ኣብ ድሕረ ገፅና ክንልጥፎ ኢና።

ኣብ ታሕቲ ናይቶም ክልተ ኣማራፂታት ሓፂር መጠቓለሊ ኣሎ።

ብዛዕባ ጥቕምን ርእይቶን ነፍሲ ወከፍ ኣማራፂ ኣብ ድሕረ ገፅና ዝያዳ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ኣማራጺ 1

ኣብ’ዚ ኣማራፂ እዚ ሓደ ካብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት ናብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሰሜን ገፅ ዝወስድ መስመር ናብ ናይ ኣውቶቡስ መስመር ክንቅይሮ ኢና።

ካብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት (ናብ ሰሜን ገጽ ዝጥምት)

እተወሰነ ክፋል ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ምስ ኣማራጺ 1 ዜርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል
እተወሰነ ክፋል ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ምስ ኣማራጺ 1 ዜርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል

ኣማራጺ 2

 ልክዕ ከም ኣማራጺ 1፣ ኣብ’ዚ ኣማራጺ እዚ ነቲ ካብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት ናብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሰሜን ገጹ ዚወስድ መገዲ ናብ ናይ ኣውቶቡስ መስመር ምቐየርናዮ ማለት እዩ።

ነቲ ኣብ መንጎ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪትን ሳዉዝ ኮለጅ ስትሪት ዘሎ ናይ ማእከል መዕፀፊ መስመር ኣወጊድና ናብ ሰሜን ገጹ ዝኸይድ ኽልተ መገድታት (ዳርጋ 5 ብሎካት) ምሃለወና።

ካብ ሳዉዝ ግራንድ ስትሪት ናብ ሳዉዝ ኮለጅ ስትሪት (ናብ ሰሜን ዝጥምት)

ክልተ ክፋላት ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ምስ ኣማራጺ 2 ዘርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል

ካብ ሳዉዝ ኮለጅ ስትሪት ናብ ሳዉዝ ዋልደን ስትሪት (ናብ ሰሜን ዝጥምት)

ክልተ ክፋላት ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ምስ ኣማራጺ 2 ዘርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል
ክልተ ክፋላት ረይኔር ኣቨኑ ሳውዝ ምስ ኣማራጺ 2 ዘርኢ ስእሊ። ሰእሊ፡ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል

ቀጸልቲ ስጕምትታት

ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕናዮ ነገራትን ብዛዕባ እቶም ኣብ ምዕራፍ ክልተ እቲ ፕሮጀከት ቀጺሎም ዘለዉ ስጕምትታት ዝያዳ ሓበሬታ ክነካፍል ኢና። ንድፊ ፕሮጀክት ክሳዕ 2023 ክቕጽል እዩ፣ ህንፀት ድማ ካብ 2024 ኣትሒዙ ክጅምር ይኽእል እዩ።

ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ

ስለ’ቲ ኣብ’ዚ ፕሮጀክት እዚ ዘሕለፍካዮ ግዜን ተገዳስነትን ነመስግን!