Find Posts By Topic

መደብ መጓዕዚያ ሲያትል (Seattle Transportation Plan) | እቲ ብከንቲባ Bruce Harrell ዝቐረበ መደብ መጓዕዚያ ሲያትል ንምጽዳቑ ናብ ቤት ምኽሪ ከተማ ተመሪሑ ኣሎ። 

People walking in the U District neighborhood.

ጽሟቕ 

ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ህዝባዊ ተሳትፎ፣ ለበዋ ዝቐረበሉ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ብምምዕባል ሎሚ ንቤት ምኽሪ ከተማ ኣካፊልናዮ ኢና። 

መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ብርእይቶ እቶም ኣብ ሲያትል ዝነብሩ፣ ዝሰርሑን፣ ዝጻወቱን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝተዳለወ፣ ንመጻኢ ጎደናታት፣ ናይ ኣጋር መገዲታትን፣ ህዝባዊ ቦታታትን ዝምልከት ናይ 20 ዓመት ራእይ መጻኢ ሲያትል እዩ። መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንሐዚን ኣብ መጻኢን ንኸተማና ዝሰርሕ ስርዓት መጓዓዚያ ዝምልከት ራእይ፣ ሽቶታት፣ ቀንዲ ስጉምቲታትን፣ ከምኡድማ ለበዋታትን ዝሓዘ እዩ። እቲ ትልሚ ነቲ ኣብ’ቶም ህዝባዊ ቦታታት ንዘናጋዓሉን ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ ንዘዋወረሉን መገዲ ዘመሓይሹ ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን ዝምወሉሎም ናይ መጓዓዚያ ምወላታት ኣትሒዙ ንኹሉም ነገራት ዘማእዝን እዩ ክኸውን። 

መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ኣብ ሽዱሽተ ቀንዲ ሽቶታት ንከተማ ሲያትል ጠመተ ዝገብር እዩ፡ 

  • ውሑስነት 
  • ምዕሩይነት 
  • ቀጻልነት 
  • ክእለት ምንቅስቓስን ቁጠባዊ ጥቕሚን 
  • ምቹውነት ናብራ 
  • ጽገናን ምምዕባልን 

ኣብ ፎል (fall) 2023፣ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ንድፊ መደብ መጓዕዚያ ሲያትል ህዝባዊ ርእይቶ ክወሃብ ሓቲትና ኔርና።  

እዚ ድማ ብደረጃ ከተማ ዝተዳለወ ናይ ኦንላይን ተሳትፎ፣ ሰባት ብኣካል ዝሳተፉሎም ምድላዋት ብምግባር፣ ምስ ህዝባዊ ርክባት ክፍሊ ኣካባቢ ሲያትልብሓባር ብምዃን ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ማሕበረሰባት ጠመተ ዝገብር ህዝባዊ ርክብ ምስላጥን ዘጠቓልል እዩ፣ BIPOC (ጸለምቲ፣ ደቀባትን ካልኦት ሕብሪ ዘለዎም ሰባትን)፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፣ ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን፣ ዕድመኦም ዝደፍአ ዓበይቲ ሰባት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ እቶም ስእነት ገዛ ዘለዎምን ምስ ስእነት ገዛ ዝተሓሓዝ ስክፍታ ዘለዎም ሰባትን፣ ከምኡድማ እቶም ምስ ኣካላዊ ስንክልና ዝነብሩ ሰባትን።  

ብዙሓት መንግስታዊ መስርሓትብኣካል ይኹን ብኦንላይን ኣብ ጠረጴዛ እዮም ዝካየዱ። ንመደብ መጓዓዚያ ሲያትል ምድላው ዝተፈለየ ነይሩ፣ ምኽኒያት እዚ ድማ ስራሕተኛታትና ናብቶም ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዘሎ ዘይፈልጡ ሰባት ንምቕራብ ቁርጸኛታት ነይሮም። ካብ ማዕቀፍ ማዕርነት መጓዓዚያ (Transportation Equity Framework) ዝተወሰዱ ምህዞኣዊ መገዲታት ብምጥቃም፣ ኣብ ብዙሓት ቦታታት፣ ብብዙሓት ቋንቋታት፣ ምስ ብዙሓት ቅድሚ ሐዚ ኣብ ከም ዝበለ መስርሕ ተሳቲፎም ዘይፈልጡ ኣባላት ማሕበረሰብን፣ ንግዳዊ ትካላትን፣ ዝተሳለጡ ዝርርባት ኣካይድና ኢና። ምስቶም ብዙሓት ማሕበራዊ መንነት፣ ቋንቋታትን፣ ባህላዊ ተሞክሮታትን ዘለዎም ኣባላት ማሕበረሰብ ምርኻብና ክብሪ ይስመዓና። ንማሕበረሰባት ደቀባትን ስደተኛታትን ዝምልከቱ ዝተፋላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ጉጅለታት ኣጣይሽና ዝርርባት ኣካይድናን፣ ንኢኮሲስተም (ሓለዋ ከባቢ) ከተማ ምኽባር፣ ድሕነት እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ተጓዓዝትና ምምሕያሽ፣ ከምኡውን ንሰባት ኣብ ክንዲ ናብ ሓባራዊ ዛዕባ ምምጻእ ንማሕበረሰባት ዝፈላልዩ ሕሉፍ ውሳነታት ውጥን መጓዓዝያ ምጽጋን ዘጠቓልሉ ቴማታት ሰሚዕና ኢና።– SDOT Director Greg Spotts 

ነቶም ኣብቲ ትልሚ ልዕሊ 1300 ርእይቶታት፡ ኣብ ፕሮጀክትታትን መደባትን ድማ ልዕሊ 1000 ርእይቶታት ብምሃብ ነቲ ውጥን ንምምእዛን ዝሓገዙና ነመስግን። 

ካብ’ቶም ዝሰማዕናዮም ገለ እነሆ፡  

  • መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ንጹርን ንምፍጻሙ ቀሊልን ክኸውን ኣለዎ። 
  • ድሕነት ቀንዲ ጠመተናን ቀዳምነት እንህቦን ነገር ክኸውን ይግባእ። 
  • ለውጢ ክሊማ ኣብ ምፍታሕ ብሓባር ንስራሕ። 
  • ጎደናታትናን ህዝባዊ ቦታታትናን ድልዱል ከባብያዊ ቁጠባ ከም ዝድግፉ ከነረጋግጽ ንደሊ። 
  • እቶም ጎደናታትና ብኸመይ ከም እንጥቀመሎም ኣብ ምውሳን ተራ ዘለዎም ረቛሒታትን ዕድላትን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣለና። 
  • ነቲ ኣተገባብራ ፍሉይ ብምግባር ነቲ ምዕባለና/ግስጋሰና ብኸመይ ከም እንዕቅኖ ብንጹር ንገልጾ። 
  • ክትሳተፉን ድምጽኹም ክስማዕን ዝያዳ ዕድላት ክንህበኩም ኣለና። 
  • ነቲ ዛጊድ ኣብ ኢድና ዘሎ ኣብ ጽቡቕ ቅርጺ ክህሉ ብምግባር፣ ነቲ ስርዓተ መጓዓዝያና ንምምሕያሽ ቅልጡፍ ለውጢ ክንገብር ትደልዩ። 

ብፍላይ ድማ፣ እቶም ኣብ ማሕበረሰብ ዝተመርኮሱ ውዳበታት መሻርኽቲና ኣብ ከይዲ ምምዕባል መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ስለ’ቲ ዘርኣዩዎ መሪሕነትን ምትሕግጋዝን ከነመስግኖም ንፈቱ። 

ኣብ ታሕቲ ምሉእ ዝርዝር ናይ’ቶም ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገብሩ ኣብ’ዚ ስራሕ’ዚ መሻርኽቲ ዝኾኑ ትካላት ኣሎ፤ 

ርእይቶ ሕብረተሰብ ሰሚዕና ኣብ ትልሚ መጓዓዝያ ሲያትል ገለ ኣገደስቲ ለውጥታት ጌርና ኣለና።  

እቶም ዝወሰኽናዮም ሓደሽቲ ቀንዲ ስትራቴጂታት እነሆ፡ 

  • ውሕስነት: መርበባት መጓዓዝያና ተጻዋርነት ዘለዎን ንህጹጽ ኩነታት ድሉውን ምዃኑ ከነረጋግጽ ንደሊ። 
  • መቕጻዕታዊ ዘይኮነ ኣተገባባራ ሕጊ፡ ኣብ እቶም ናይ ትራፊክ ሕጊታት ዝፍጸሙሎም መገዲታት ዝካየዱ ለውጢታት ንድግፍ ኢና። ኣብ መቕጻዕቲ ጠመተ ክንገብር ኣይንደልን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰባት ዝበጽሕ ጉድኣት እናነከየ ከምኡድማ ጎደናታትና ውሑሳት ክኾኑ ዝሕግዝ እዩ።  

ሰባትን ኣቑሑትን ናብቲ ክኸዱሉ ዘለዎም ቦታ ምብጻሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጉላሕ ኣገዳስነት ቁጠባዊ ጥቕሚታት ብምግንዛብ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበረና ዕላማ ኣስፊሕናዮ ኣለና።  

ነዚ መጻኢ ራእይ ብኸመይ ህያው ከም እንገብሮ ዝያዳ ዝርዝር ንምሃብ ነቲ ስትራተጂ ኣተገባብራና ኣስፊሕናዮ ኣለና። ቁልፊ ስጉምትታት ክፍጸሙ ንምግባር፡ “ስጉምቲታት ምትግባር” ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣስታት 30 ዝኾኑ ጭቡጣት ተግባራት ወሲኽና ኢና። እዚ ክፍሊ እዚ ብኸመይ ክንሰርሓሎም ዝግበኣና ፕሮጀክትታትን መደባትን ከም እንመርጽ ይገልጽ። ኣብቲ ዘሎ ጸጋታት ተመርኲስና ዕማማት ብኸመይ ከም እንውድብን ነቲ ስራሕ ብኸመይ ክንከፍሎ ከም እንኽእልን ነካፍል ኣለና። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ኣገዳሲ ውሳነታት ከም እንውስን ንገልጽ። 

ቀጺሉ፣ ቤት ምኽሪ ከተማ ነቲ ውጥን ንምጽዳቕ ክምርምሮ እዩ። 

ኣብዚ ውጥን’ዚ ድምጺኹምን ድምጺ ጎረባብትኹምን ተንጸባሪቑ ክትዕዘቡ ተስፋ ንገብር። 

ብጽሑፍ ርእይቶታት ብምልኣኽ ወይ ኣብ’ቲ ኣብ መጻኢ ኣብ መጋቢት 5 ን ዝካየድ ናይ ከተማ ቤት ምኽሪ ኣኼባታት ዝህሉ ናይ ህዝባዊ ርእይቶ ምሃብ ብምስታፍ፣ ምስ’ቲ ቤት ምኽሪ ከተማ ብምርኻብ ብዛዕባ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ዘለኩም ርእይቶ ክስማዕ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብቐጥታ ናብ ቤት ምኽሪ ከተማ ኢሜይል ምልኣኽ እውን ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣጀንዳ መጋቢት 1 ኣብ’ዚ ናይ መርበብ ሓበሬታ ገጽ እዚ ዕላው ምስተገበረ፣ ኣብ’ዞም ኣኼባታት እዚኦም ብኸመይ ክትሳተፉ ከም ትኽእሉ ሓበሬታ ምርካብ ትኽእሉ ኢኹም። 

ሓንሳብ ምስ ጸደቐ፣ መደብ መጓዓዚያ ሲያትል ናይ’ዛ ኸተማ መጻኢ መጓዓዚያ ዘርኢ ራእይ ሲያትል ክኸውን እዩ። 

መደብ ኣፈጻጽማ መደብ መጓዓዝያ ሲያትል ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4 ዓመት ኪቐውምን ከምኡውን ኪመሓየሽን ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ዚለዋወጥ ቍጠባዊ ዅነታትን፡ ምስቲ ማሕበረሰብ ቀዳምነት ዚህቦ ነገራትን፡ ምስቲ ዚለዋወጠሉ ጕዳያትን ምትዕርራይ ንኽንገብር ዘኽእለና እዩ። መደብ ኣፈጻጽማ መደብ መጓዓዝያ ሲያትል ንኹሉ ዘጠቓልልን፣ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተዳለዉ መደባት መገዲታት ኣጋር፣ መስመራት መጓዓዚያ ብሽክለትን፡ ከምኡውን ጽዕነትን ንምትካእ ድማ ዕላማ ኣለዎ። 

ምስ’ቶም ኣብ ምወላታት ዘለዉ ለውጢታት ንምስምማዕ ዘኽእለና ትልሚ ምወላ መጓዓዚያ ነዳሉ ኣለና። እቲ ዝርከብ ምወላ እቲ ትልሚ ኣብ’ተን ዝቕጽላ 20 ዓመታት ክሳብ ክንደይ ብቕልጡፍ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝውስን እዩ። እቲ ን 30 ሚእታዊት ዕዮና ዚኽፈል ሌቪ ቱ ሙቭ ሲያትል (Levy to Move Seattle)፡ ዝተሰመየ ምወላ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ’ዚ ቐረባ ክውዳእ እዩ። ንስርዓት መጓዓዝያ ሲያትል ብቐጻልነት ንምምሕያሽን ንምዕቃብን ዘኽእለና ገንዘባዊ ሓገዝ ክንረክብ ኣብ ምኽኣል፣ ነቲ ገንዘባዊ ሓገዝ/ሌቪ ምሕዳስ እቲ ፈላማይ ስጉምቲና እዩ። ኣብ’ተን ዝቕጽላ ኣዋርሕ ብዛዕባ እዚ ንዝህሉ ዝያዳ ሓበሬታ ተጸበዩና!